‘ኣብ ዓመተ 2013፣ ኣስታት 10 ሽሕ ኤርትራውያን ብማእከላይ ባሕሪ ናብ ማልታን ኢጣልያን ኣትዮም’ –IOM

‘ኣብ ዓመተ 2013፣ ኣስታት 10 ሽሕ ኤርትራውያን ብማእከላይ ባሕሪ ናብ ማልታን ኢጣልያን ኣትዮም’ –IOM

Radio Erena: January 30, 2014

IMO

ኣብዛ ዝሓለፈት ዓመት፣ ካብ ሰሜን ኣፍሪቃ ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ካብ ዝሰገሩ 45 ሽሕ ስደተኛታት ብብዝሒ ኣብ ካልእይ ደረጃ ዝተሰርዐ ቁጽሪ ናይ ኤርትራውያን ምንባሩ፣ ኣህጉራዊ ማሕበር ስደተኛታት-(IOM) ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ኣብ 2013 ናብ ማልታን ኢጣልያን ብጀላቡ ካብ ዝሰገሩ 45 ሽሕ ስደተኛታት እቶም ኣስታት 12 ሽሕ ሶርያውያን ክኾኑ እንከለዉ፣ እቶም ኣስታት 10 ሽሕ ድማ ኤርትራውያን ምንባሮም እቲ ጸብጻብ የመልክት።

ብሳልሳይ ደረጃ ተሰሪዑ ዘሎ ብዝሒ ናይ ሶማላውያን ኮይኑ ኣስታት 3500 ይበጽሕ።

ብዘይካ’ዚ’ውን እቶም ኣስታት 8 300 ትሕቲ ዕደመ ቆልዑ ምዃኖም ሓደ ሲሶ ካብዚኣቶም ድማ ብዘይኣላዩ በይኖም ብጃልባ ዝተበገሱ ምንባሮም እቲ ሓድሽ ዝተዘርግሐ ጸብጻብ የመልክት።

 

ምስ ናይ 2012 ዓመት ምህረት ክነጻጸር እንኮሎ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት ዝተራእየ ዋሕዚ ስደተኛታት ብማእከላይ ባሕሪ ብ ሰለስተ ዕጽፊ ከምዝዛይድ’ውን ኣነጺሩ።

2011 ምስቲ ዝነበረ ኩነታት ሊብያ እታ ዝበዝሐ ዋሕዚ ስደተኛታት ዝተራእያ ዓመን ምንባራ ዝተቐሰ IOM ኣብቲ እዋንቲ፣ ካብ ዝነበረ ግጭት ንምህዳም ልዕሊ 63 ሽሕ ስደተኛታት ብማእከላይ ባሕሪ ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ከምዝወሓዙ ኣፍሊጡ።

ኣብዚ ዝሓለፈ 20 ዓመታት፣ ብመንገዲ’ዚ ባሕሪ ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ንምስጋር ካብ ዝፈተኑ ኣስታት 20 ሽሕ ሰባት ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ብምጥቃስ ድማ፣ እቲ ዝያዳ ቆላሕታ ዝረኸበ ግና ዓሚ ኣብ ላምፔዱሳ ዘጋጠመ ህይወት ኣስታት 350 ኤርትራውያን ዘህለቐ ሓደጋ ምዃኑ ኣዘኻኺሩ።
========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0