ኣብ ውድድር ማራቶን ቶስካና፣ ብደረጃ ኤርትራ፡ ካልኣይ ዝበለጸ ሃገራዊ ክብረወሰን ማራቶን ተመዝጊቡ

Radio Erena: 13 April 2021

ኤርትራውያን ኣትሌታት፣ ብሰንበት 11 ሚያዝያ፣ ኣብ ኢጣልያ፣ ሴና ኣብ ዝተኻየደ ኣህጉራዊ ቅድድም ማራቶን ዚያመን ቶስካና ካምፕ ግሎባል ዝምስገን ውጽኢት ኣምጺኦም።

ኣብ’ዚ ኬንያዊ ኣትሌት፡ ኤሪኪፕሮኖ ኪፕታኖይ፡ ንቅድድሙ ብ2 ሰዓታት፡ 5 ደቓይቕን 57 ካልኢታትን ብምውዳእ፡ ቀዳማይ ኮይኑ ዝተዓወተሉ ውድድር፡ ኤርትራውያን ኣትሌታት፡ ዮውሃንስ ገብረገርግሽ፡ ሳሙኤል ጸጋይን ግርማይ ገብረስላሴን፡ ብቅደም ተኸተል፡ መበል ራብዓይ፡ ታሽዓይን ዓስራይን ደረጃ ብምሓዝ ምስ ቀዳሞት 10 ኣትዮም።

ኣትሌታት ሄኖክ ተስፋይ ገብረኣብን ንጉሰ ኣምለሶምን ድማ፡ መበል 25ን 26ን ብምዃን ተመራሪሖም ንቅድድሞም ዛዚሞም።

እዞም ካብ 2 ሰዓታትን 6 ደቓይቕን ክሳብ 2 ሰዓታትን 10 ደቓይቕን ኣብ ዘሎ ናይ ግዜ መቓን ብምእታው ንዝተመደበሎም ርሕቐት ዝዓመሙ ኤርትራውያን ኣትሌታት፡ መብዛሕቶም ቅድሚ ሕጂ ኣመዝጊቦሞ ንዝነበሩ ዝበለጸ ውልቓዊ ግዚኦም ከምዘመሓየሹ ከመሓይሹ ክኢሎም’ዮም።

ብፍላይ ራብዓይ ኮይኑ ዝኣተወ፣ ዮውሃንስ ገብረገርግሽ ዘመዝገቦ ናይ 2 ሰዓታት፡ 6 ደቓይቕን 28 ካልኢታትን ግዜ፡ ብደረጃ ኤርትራ፡ ካልኣይ ዝበለጸ ሃገራዊ ክብረወሰን ማራቶን ኮይኑ ሰፊሩ ኣሎ። 

ኣብ ዝመጽእ ክራማት ዝካየድ ውድድር ኦሎምፒክ ቶክዮ ሱታፌኣ ዘረጋገጸት፡ ኤርትራዊት ኣትሌት ናዝሬት ወልዱ፡ ኣብ ማራቶን ቶስካና ክትሳተፍ ተሊማ’ኳ እንተነበረት፡ ብዘጓነፋ ጥዕናዊ ጸገም ካብቲ ኣህጉራዊ ቅድድም ክትቦክር ተገዲዳ።

===================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0