ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ዝነብር ህዝቢ ኤርትራ፣ መበል 27 ዓመት ናጽነት ይጽምብል

ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ዝነብር ህዝቢ ኤርትራ፣ መበል 27 ዓመት ናጽነት ይጽምብል

Radio Erena: 24 May 2018

eri indeኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ዝነብር ህዝቢ ኤርትራ፣ ንመበል 27 ዓመት ናጽነት ኤርትራ ብዝተፈላለየ መደባት ይጽምብል ኣሎ።

እቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝነብር ህዝቢ ከም ናይ ወትሩ ንመዓልቲ ናጽነት በብኸባቢኡ ዝተፈላለየ መደባት ሰሪዑ ክጽንብላ እንከሎ፣ ኣብ ስደት ዝርከቡ ኤርትራውያን ግና ኣብ ክልተ ደምበታት ተገማሚዕም’ዮም ንናጽነት ኤርትራ ዘኽብሩ ዘለዉ።

እቶም ሓደ ወገን ደገፍቲ መንግስቲ ኮይኖም፣ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣትሒዞም ብኤምባሲታት ኣብ ዝተወደበ መደባት ክሳተፉ እንከለዉ፣ ደምበ ተቓውሞ ከኣ ጠንቒ ስደትን ብርሰት መንእሰያትን ኮይኑ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ብምእላይ፣ ምሉእ ናጽነትን ሓርነትን ንምስትምቓር ክንሰርሕ ኣሎና ብምባል’ዮም ዝጽንብልዋ ዘለዉ።

ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፣- ናጻን ሉኣላዊትን ከምኡ ድማ መሰልን ክብርን ዜጋታት ብማዕረ ዝሕለወላን ሃገር ንምርግጋጽ እኳ እንተነበረ፣ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ዝተራእየ ክውንነት ግና በንጻሩ ምዃኑ’ዮም ደለይቲ ፍትሒ ዘዘኻኽሩ።

======================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0