ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ዝርከብ ቀጽሪ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ተቓውሞ ንዘካይዱ ዝነበሩ ኢትዮጵያውያን  ንምብታን ቶኽሲ ዝኸፈተ ኣባል ሓለዋ እቲ ኤምባሲ መርመራ ይካየደሉ ኣሎ

ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ዝርከብ ቀጽሪ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ተቓውሞ ንዘካይዱ ዝነበሩ ኢትዮጵያውያን ንምብታን ቶኽሲ ዝኸፈተ ኣባል ሓለዋ እቲ ኤምባሲ መርመራ ይካየደሉ ኣሎ

Radio Erena: 01 October, 2014

Ethio DC

ኣብ ኣመሪካ ከተማ ዋሺንግተን ዲሲ ኣብ ዝርከብ ኣፍደገ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ተቓውሞ የካይዱ ንዝነበሩ ኢትዮጵያውይን ንምብታን ተዅሲ ዝኸፈተ ኣባል እቲ ኤምባሲ መርመራ ይካየደሉ ምህላዉ ዋሽንግተን ፖስት ሓቢሩ።

ኣብ ወጻኢ እትርከብ ናይ ተቓወምቲ መደበር ቴሌቪዥን ኢሳት’ውን፣ ነቲ ኵናታት ብናይ ሞባይል ካሜር ብዝተቐድሐ ቪድዮ ክትዝርግሖ እንከላ፣ እቶም ተቓወምቲ ነቲ ኤምባሲ ንሒደት ሰዓታት ከምዝተቖጻጸርዎ ‘ውን ጠቒሳ።

 

እቲ ኣባል ሓለዋ እቲ ኤምባሲ፣ ነቶም ተቓውሞ ዘካይዱ ንዝነበሩ ኢትዮጵያውያን ናብ ቀጽሪ ኢቲ ኤምባሲ ከይኣትዉ ንምክኻል ሽጉጥ ከውጽእ ድሕሪ ምግዳዱ፣ እቶም ሰልፈኛታት እናቐረብዎ ድሕሪ ምምጽኦም ግና ንምብታኖም ኣርባዕተ ጠያይቲ’ዩ ናብ ሰማይ ቶኵሱ።

እቶም 10ታት ዝቑጸሩ ሰልፈኛታት፣ ኣብ ኣፍደገ እቲ ኤምባሲ ንእትርከብ ባንዴራ ኢትዮጵያ ብምውራድ ነታ ናይ ቀደም ኮኾብ ዘይብላ ባንዴራ ከምዝሰቀሉ’ውን ተሓቢሩ።

ብኢህወደግ ዝምራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብኣባላት ህውሓት ዝተዓብለለ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ይፍጽም ኣሎ ብምባል’ዮም እቶም ኢትዮጵያውያን ሰለማዊ ሰልፊ ዘካየዱ።

ሓደ ካብ መራሕቲ ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ- ግንቦት ሸውዓት ኣቶ ኣንዳርጋቸው ጽገ ናብ ኤርትራ እናምርሐ እንከሎ ኣብ የመን ተታሒዙ ናብ ኢትዮጵያ ድሕሪ ምርካቡ፣ ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ተቓወምቲ ብፍላይ ደገፍቲ’ቲ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ብጎነጽ ክኣሊ ዝቃለስ ግንቦት ሸውዓተ ተደጋጋሚ እዋን ሰለማዊ ሰልፍታት ኣካይዶም’ዮም።

ብዘይካ’ዚ’ውን ናብ ኣመሪካን ኤውሮጳ ንዝገሹ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣምባሳደራትን ናይ ምጥቃዕ ተበግሶታት ክወስዱ ይርኣዩ’ ኣሎ።

=================================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0