ኣብ ኵናት ተሸሚማ እትርከብ ኢትዮጵያ፣ ዳግማይ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ኣንጸላልዩዋ ከምዘሎ መጠንቀቕታ ቀሪቡ

Radio Erena: 12 January 2021

ኣብ ትግራይ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኵናትን ናይ ብሄር ግጭታትን ተሸሚማ ኣብ እትርከብ ኢትዮጵያ፣ ዳግማይ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ኣንጸላልዩ ከምዘሎ ውድብ መግብን ሕርሻን ኣጠንቂቑ።

እቲ ትካል ኣብ ዘውጽኦ እዋናዊ መግለጺ፣ ኣብ ምብራቕን ደቡብ ኢትዮጵያን ማእከላይ ሶማልን፣ ዕስለ ኣንበጣ ክርአ ምዃኑ’ዩ ኣተንቢሁ።

እቲ ወራር፣ ንገለ ክፋል ኬንያ’ውን ክጸሉ ከምዝኽእል ተመልኪቱ።

ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃን ሃገራት ቀይሕ ባሕርን፣ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዙ ዝተራእየ ወራር ዕስለ ኣንበጣ፣ ክሳብ ወርሒ መጋቢት ናይዚ ዓመት’ዚ ክቕጽል ከምዝኽእል ውድብ መግብን ሕርሻን ይእምት።

ኤርትራ፣ ሱዳንን የመንን’ውን ኣብዚ ወርሒ’ዚ፣ ብዕስለ ኣንበጣ ክጥቅዓ ዘለወን ተኽእሎ ትሑት እኳ እንተኾነ፣ ንዝመጽእ ክልተ ኣዋርሕ ግና ውሕስነት ከምዘየብለን ተሓቢሩ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0