ኢትዮጵያ፣ ምስ ሱዳን ዘዳውባ ከባቢታት ሓድሽ መጥቃዕቲ ከፊታ

Radio Erena: 12 January 2021

ኢትዮጵያ፣ ኣብቲ ምስ ሱዳን ዘዳውባ ከባቢታት ሓድሽ መጥቃዕቲ ከምዝኸፈተት ተሓቢሩ።

ሱዳን ትሪቡን ብዘቕረቦ ዜና መሰረት፣ ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ብሰኑይ 11 ጥሪ፣ ኣል ላሕያ ኣብ ዝተባህለ ከባቢታት ብዝኸፈቶ ቶኽሲ፣ ሓሙሽተ ደቂንስትዮን ሓደ ቆልዓን ተቐቲሎም።

ክልተ ካልኦት ደቂንስትዮ ድማ ደሃየን ጠፊኡ።

እቲ መጥቅዕቲ ዝተኻየደ፣ ሓረስቶት ሱዳን ዘራእቲ ኣብ ምእካብ እንከለዉ’ዩ ክብል ሓደ ላዕለዋይ ውትሃደራዊ ኣዛዚ ገሊጹ።

ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ሱዳን ዘካይዶ ዘሎ ተደጋጋሚ መጥቃዕታት፣ ክዕወት ከምዘይክኣለ’ውን እቲ ስሙ ዘይተጠቕሰ ወትሃደራዊ ኣዛዚ ሓቢሩ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0