ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ውግእ፣ ከቢድ ናይ ሰብ ክሳራታት ይወርድ ምህላዉ ሓካይም ብዘይዶብ ኣፍሊጡ

Radio Erena: 10 November 2020

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልል ትግራይ፣ ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ውግእ፣ ከቢድ ናይ ሰብ ክሳራታት ይስዕብ ከምዘሎ ኣህጉራዊ ትካል፣ ሓካይም ብዘይዶብ ኣፍሊጡ።

እቲ ትካል፣ ኣብዚ ሳልስቲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ንክልላት ትግራይን ኣምሓራን ኣብ ዘዳውብ ሓደ ቦታ ጥራይ፣ ልዕሊ 60 ውጉኣት ከምዝተሓከሙ ኣረጋጊጹ።

ዘ ጋርድያን ንሓደ በዓል መዚ ጥዕና ብምጥቃስ ኣብ ዘቅረቦ ሓበሬታ ድማ፣ ኣብቲ ከባቢ ኣስታት 100 ዝኾኑ ውጉኣት ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝተሓከሙ ኣመልኪቱ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልል ትግራይ ኵናት ካብ ዝኣወጀሉ፣ ኣብ ሻድሻይ መዓልቱ፣ ሓደ ሓደ ቦታታት ከምዝተቖጻጸረ እንተዘይኮይኑ፣ ኣብ ሰብን ንብረትን ዝበጽሐ ጉድኣት ኣይሓበረን።

ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ብወገኑ፣ ህዝቢ ክድብድባ ካብ ዝወፈራ ነፈርቲ፣ ንሓንቲ ብሚሳይል ወቒዑ ከምዘውደቐ ከረጋግጽ እንከሎ፣ ንጽባሒቱ ድማ ካልእ ነፋሪት ከምዝተደግመት ይዝረብ ኣሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ብክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ንዝተዋህበ፣ ንምውዳቕ ነፋሪት ዝምልከት ሓበሬታ፣ “ውጹእ ሓሶት’ዩ” ክብል ነጺግዎ።

ድሮ ኣብ ከባቢ ዶባት ትግራይን ኣምሓራን ዝርከብ ህዝቢ ክፈናቐል ጀሚሩ ምህላዉ ኣብ ዝሕበረሉ ዘሎ እዋን፣ ሕቡራት ሃገራት ቁጽሪ በቲ ኵናት ናይ ዝመዛበሉ ሰባት፣ ኣስታት 9 ሚልዮን ክበጽሕ ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ።

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣንቶንዮ ጉተረሽ ናብ መንግስቲ ኢትይጵያ ዘቕረቦ ናይ ሽምግልና ተበግሶ ዛጊት ዝኾነ ምላሽ ኣይተዋህቦን።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ሃገራዊ ባንክ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከባ ኩለን ባንክታት ካብ ስርሐን ደው ክብላ ብወግዒ ኣዊጁ።

እቲ ባንክ ነዚ ዝኣወጀ፣ “ኣብ ልዕሊ ባንክታት ናይ ዝምታ ምልክታት ስለ ዝተራእየ’ዩ” ኢሉ ኣሎ።

ይኹን’ምበር፣ እቲ ሃገራዊ ባንክ ዘሕለፎ ኣዋጅ፣ መቐጸልታ ናይቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝገብሮ ዘሎ ጸቕጢ ምዃኑ’ውን ይግለጽ’ዩ።

ኣብ ክልል ትግራይ ልዕሊ 600 ባንክታት ከምዘለዋ ይፍለጥ።

ካብ ናይ ኢትዮጵያ ዜና ከይወጻእና፣ ኣብ ክልል ኦሮሞ፣ ምዕራብ ወለጋ’ውን ሓያል ኵንት ይቕጽል ከምዘሎ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ዜና ካብታ ሃገር ይሕብሩ ኣለዉ።

ኣቐዲሙ’ውን ጸጥትኡ ኣብ ሰንኮፍ ዝጸንሐ ዞባ ምዕራብ ወለጋ፣ ምስቲ ኣብ ትግራይ ተኣዊጁ ዘሎ ኵናት ተተሓሒዙ፣ ዕጡቓት ኦሮሞ፣ መጥቃዕታቶም ብምቕጻል፣ ሓያሎ ከባቢታት ከምዝተቖጻጸሩ ተመልኪቱ።

ምሉእ ኣተኩሮኡ ናብ ትግራይ ጌሩ ዘሎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ዝተፈላለያ ክፋላት እታ ሃገር ዝነቱግ ዘሎ ግጭታት፣ መግለጺታት’ውን ይህበሉ የለን።

ስእሊ፣- ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 2
  • comment-avatar

    ውግእ ጠጠው ይበል።
    ኢሳያስ ኢዱ። ይኣክብ።
    ኣብይ ንፍርዲ ይቕረብ።
    ገበነኛታት ብሕጊ ይታሓተቱ።

  • comment-avatar

    ብጣዕሚ ዝገርም ድንቑርና ለካ እዞም ጸዓዱ ሐቆም ኢዪም ጸለምቲ ርእሲ የብሎምን ኢሎም ክንዕቑና
    ክንደይ ቢቲክርስትያናት ተቃጺሉ ክንደይ አቦታት ተቀቲሎመዲአታተቀቲሎመዲአታት ተደፊረን አሕዋት በኽየን ነቢዒኤን ሰማዒ ስኢነን አምላኽ ከ ንቢቱ አይሐልን ዶ !
    ትንቢት አብ ኢትዪጵያ ተፈጺሙ ሪኢናዪ ካብዚ ዝኸፍአ አሎ አቦታት ከም ዝተነበአይዎ ካብ ምዓቱ ይሰውረና ጸሎት በረኸታ አይፈለየና አሚን