ኣብ ክለባት ዎርልድ ቱር፡ ህላውነቶም ኣውሒሶም ካብ ዘለዉ 7 ኣፍሪቃውያን ተቐዳደምቲ፡ እቶም 4 ኤርትራውያን’ዮም

Radio Erena: 18 October 2022

ኣብ ቅድድም ብሽክለታ እቲ ዝለዓለ ደረጃ ኣብ ዝኾነ፡ ዎርልድ ቱር ናይ ዝወዳደሩ ብዝሒ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ካብ 3 ናብ 4 ክብ ኢሉ።

ቁጽሪ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ኣብ ክለባት ዎርልድ ቱር፡ ክብ ክብል ዝኸኣለ፣ ንዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ምስ ኢጣልያዊት ፕሮኮንቲነንታል ክለብ Drone Hopper – Androni Giocattoli ተሰሊፉ ክቐዳደም ዝሓገየ፡ ናትናኤል ተስፋጽዮን፡ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ምስ Trek – Segafredo ከምዝተጸንበረ እታ ጋንታ ብወግዒ ድሕሪ ምግላጻ’ዩ።

በዚ ብዝሒ’ዚ ድማ ኣብ ዓመተ ውድድር 2023፡ ኣብ ክለባት ዎርልድ ቱር፡ ህላውነቶም ኣውሒሶም ካብ ዘለዉ 7 ኣፍሪቃውያን ተቐዳደምቲ፡ እቶም 4 ኤርትራውያን ‘ዮም።

ንሳቶም፣- ናትናኤልን ተስፋጽዮን፣ ኣማኑኤልን ገብረእግዚኣብሄር፡ መርሃዊ ቅዱስን ቢንያም ግርማይን እዮም።

እቶም ካልኦት 3 ኣፍሪቃውያን ድማ፣-፡ ኢትዮጵያዊ ጽጋቡ ግርማይ፡ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ልዊዝ ሜንትየዝን ዳረል ኢምፐይን እዮም።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0