ኢትዮጵያ፣ ካዝና ሃገራዊ ባንክ ስለዘንቖልቆለ፣ ኣብ ልዕሊ ነጋዶ ገደብ ናይ ወጻኢ ባጤራ ኣንቢራ

Radio Erena: 18 October 2022

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ባንክታት እታ ሃገር፣ ‘ቀዳምነታት ዘየድልዮ’ ነገራት ንዘእትዉ ነጋዶ ናይ ወጻኢ ባጤራ ከይህባ ዝግድብ ትእዛዝ ከምዘመሓላለፈ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ሓቢሩ።

ሚኒስትሪ ፋይናንስ ናብ ማእከላይ ባንክ እታ ሃገር ኣብ ዝልኣኾ ደብዳቤ፣ ናይ ወጻኢ ባጤራ ንሸመተ ከም መግቢን መድሃኒትን ንዝኣመሰለ ጥራይ ክሕጸር ከምዘለዎ ኣስሚርሉ።

እቲ ሚኒስትሪ ኣብ ደብዳቤኡ፣ ከም መኪና፣ ሰዓት፣ ጽላል፣ ሽጋራ፣ ኣልኮላዊ መስተ …ወዘተ ዝኣመሰለ ‘ቀዳምነታት ዘየድልዮ’ ንዝበሎ 40 ዝርዝራት ንዘእትዉ ነጋዶ ናይ ወጻኢ ባጤራ ከይፍቀደሎም ኣዚዙ።

ኣብ መወዳእታ 2021፣ ካዝና ሃገራዊ ባንክ ኢትዮጵያ ኣስታት 1.6 ቢልዮን ዶላር ጥራይ ከምዝነበሮ ሰነዳት እታ ሃገር የመልከት።

ኣብዚ እዋን’ዚ ካዝና ሃገራዊ ባንክ ኢትዮጵያ ዘለዎ ብዝሒ ናይ ወጻኢ ባጤራ ክፍለጥ እኳ እንተዘይክኣለ፣ መንግስቲ እታ ሃገር ካብ ባንክ ዓለምን ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብን ሓገዝ ይሓትት ከምዘሎ’ዩ ዝግለጽ።

ብኵናትን ቁጠባዊ ቅልውላውን እትሕመስ ዘላ ኢትዮጵያ፣ ዝቕባባ ናብ ኣስታት 30% ተጸጋጊዑ ከምዘሎ ክኢላታት እዚ ዓውዲ የመልክቱ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0