ኣብ ኬንያ ከተማ ናይሮቢ ኣብ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝወረደ ጉድኣት ከምዘየለ ተሓቢሩ

ኣብ ኬንያ ከተማ ናይሮቢ ኣብ ሓደ ናይ ዕዳጋ ማእከል ማለት ሾፒንግ ሞል ኣሸበርቲ ብዝኸፈትዎ ቶኽሲ ናይ ዝሞቱ ሰባት 68 በጺሑ። ኣብቲ ፍጻሜ ዝተቐትሉ 68 ሰባትን ዝቖሰሉ 175 ዜጋታት ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት’ዮም።

ኣብቲ ወጻእተኛታት ብብዝሒ ንዕዳጋ ዝወጽሉ ቦታ ኣብ ማእከል ከተማ ናይሮቢ ዝርከብ ሞል ብቐዳም ዝተፈጸመ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝወረደ ጉድኣት የለን።

 

ኣብ ኬንያ ኣሽሓት ኤርትራውያን ከምዘለዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ዛጊት ተረኺቡ ብዘሎ ሓበሬታ፣ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝበጽሐ ናይ ሞት ኮነ ናይ መቑሰልቲ ሓደጋ የለን።

ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ኣልሸባብ ኣብ ኡጋንዳ ኣብ ዘካየዶ ተመሳሳሊ ናይ ቦምብ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 11 ኤርትራውያን ከምእተቐትሉ ኣይርሳዕን።

እቶም ኣብ ከተማ ናይሮቢ ኣብ ዝርከብ ናይ ዕዳጋ ማእከል ቶኽሲ ዝኸፈቱ ዕጡቓት፣ ሓያሎ ሰባት’ውን ጅሆ ሒዞም ከምዘለው’ዩ ዝግልጸ ዘሎ።

እቲ ኩነታት ክሳብ እዚ እዋን’ዚ’ውን ከምዘይሃድአ ናይ ዓይኒ መሰኻክር ካብቲ ቦታ የረድኡ።
======================

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0