ኣብ ካቢነ ሚኒስተራት ኤርትራ 11 ሚኒስተራት ጥራይ ተሳቲፎም

ካቢነ ሚኒስተራት ኤርትራ ኣብ መወዳእታ ዕለታት ናይ ወርሒ ሕዳር ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፣ 11 ሚኒስተራት ጥራይ ምስታፎም ኣብ ሓያሎ ኤርትራውያን ወገናት ኣዘራራቢ ጉዳይ ኮይኑ ኣሎ። 18 ሚኒስተራት ዘለዉ ካቢነ ኤርትራ፣ ብዘይካ እቶም 11 እቶም ካልኦት ኣብቲ ንኽልተ መዓልታት ዝቐጸለ ኣኼባ ኣይተረኽቡን። ካቢነ ሚኒስተራት ኤርትራ፣ እቶም ሸውዓተን ወሰነትን ሚኒስተራት ኣብ ዘይተረኽብሉ ንኽልተ መዓልታት ዝቐጸለ ኣኼባ ዘካየደሉ ምኽንያት ኣይተፈልጠን። ኣብቲ ኣኼባ ዘይተረኽቡ ሚኒስተራት፣ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፣ ሚኒስተር ምክልኻል ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም፣ ሚኒስተር ፋይናንስ ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ፣ ሚኒስተር ማዕድን ኣቶ ኣሕመድ ሓጅ ዓሊ፣ ሚኒስተር ትምህርቲ ኣቶ ሰመረ ርእሶም፣ ሚኒስተር ፍትሒ ወይዘሮ ፎዝያ ሓሽምን ሚኒስተር ዜና ኣቶ ዓሊ ዓብዱን’ዮም። እንተኾነ፣ ኣኼባ ካቢነ ሚኒስተራት ገና ክቕጽል ምዃኑ ልሳናት መንግስቲ ጠቒሰን ብምህላወን፣ ኣብ ዝቕጽል ኣኼባ’ውን እቶም ዝተረፉ ሚኒስተራት ክሳተፍዎ ትጽቢት ይንበር። እዚ ይኹን’ምበር ካቢነ ሚኒስተራት ልዕሊ ሓደ ስልሲት ማለት ልዕሊ 25 ሚእታዊት ካብ ኣባላቱ ኣብ ዘይተረኽብሉ ንኽልተ መዓልታት ኣኼባ ምክያዱ ኣዘራራቢ ጉዳይ ካብ ምዃን ኣይተረፈን።

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0