ኣብ ጁባ ተኸሲቱ ዘሎ ወጥሪ ካብ ዝነበሮ ሃዲኡ ከምዘሎ ኤርትራውያን ነበርቲ እታ ከተማ ይገልጹ

ኣብ ጁባ ተኸሲቱ ዘሎ ወጥሪ ካብ ዝነበሮ ሃዲኡ ከምዘሎ ኤርትራውያን ነበርቲ እታ ከተማ ይገልጹ

Radio Erena: 25 July 2016

Juba

ኣብ ደቡብ ሱዳን፣ ከተማ ጁባ ካብ ዝሓለፈ ክልተ ቅነ ኣትሒዙ ተኸሲቱ ዘሎ ወጥሪ ካብ ዝነበሮ ሃዲኡ ከምዘሎ ተገሊጹ።

ሬድዮ ኤረና ዝተወከሰቶም ኤርትራውያን ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፣ እቲ ወጥሪ ከምዝሃድአ እኳ እንተረጋገጹ፣ ንቡር ንጥፈታቶም ንምክያድ ግና ስግኣት ከምዘለዎም ሓቢሮም።

ምንቕስቓሳቶም ተደሪቱ ከምዘሎ ብምርግጋጽ ከኣ፣ ዝበዝሑ ኣብ ንግዲ ዝተዋፈሩ ኤርትራውያን ኣብ ገዛውቶም ተዓጽዮም፣ እቲ ኩነታት ክሃድእ ይጽበዩ ምህላዎም ኣመልኪቶም።

ኩነታት ደቡብ ሱዳን፣ ኣብ ውዱእ ናይ ሰላም መድረኽ እኳ እንተዘይበጽሐ፣ ዝሓለፈ ክልተ ቅነ ዝተራእየ ወጥሪ ተዛማዲ ህድእት ኣርእዩ ብምህላዉ ግና፣ ዜጋታተን ከውጽኣ ጀሚረን ዝነበራ ሓይሎ ሃገራት ምዕራብ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ደው ኣቢለንኦ ከምዘለዋ ይገልጻ።

ኣመሪካን ፈረንሳን፣ ኣብታ ሃገር ንዝርከቡ ዜጋታተን ንምውጻእ ሰራዊተን ኣብ ጅቡቲ ኣብ ተጠንቐቕ ክጸንሕ ክእዝዛ እንከለዋ፣ ጃፓን’ውን ኣባላት ኤምባሲ ዝርከብዎም ሓያሎ ዜጋታታ ንምውጻእ ወትሃደራዊት ነፋሪት ናብ ጅቡቲ ልኢኻ’ያ።

እንተኾነ እቲ ዳግም ዝተባርዐ ግጭት፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ሃዲኡ ብምህላዉ፣ እዘን ሃገራት ዜጋተትን ኣብ ምንቕስቓስ ክቑጠቡ እንተዘይኮይኑ፣ ብህጹጽ ክወጹ ዝእዝዝ መምርሒ ኣየመሓላለፋን።

ጃፓን’ውን፣ ዜጋታታ ንምውጻእ ዝልኣኸተን ወትሃደራውያን ነፍርቲ፣ እቲ ኩነታት ብምህድኡ፣ ካብቲ ዓስኪረናሉ ዘለዋ ጅቡቲ ናብ ዓደን ክምለሳ ወሲና ኣላ።

ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ምክትል ፕረዚደንት ኮይኑ ናብ ጅባ ዝተመልሰ መራሒ ተቓዋሚ ሬክ ማሻር፣ ኣብ ዝሓለፈ ቅነ ካብ ዝተጎሃሃረ ግጭት ሃዲሙ ኣብ ዘይተፈልጠ ቦታ ተሓቢኡ ይርከብ።
==========================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0