ክልተ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ዝተሳተፍዎ መበል 103 ዙር ፈረንሳ ተዛዚሙ

ክልተ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ዝተሳተፍዎ መበል 103 ዙር ፈረንሳ ተዛዚሙ

Radio Erena: 25 July 2016

Dan

ካብ 2 ሓምለ ኣትሒዙ ክካየድ ዝጸንሐ መበል 103 ቅድድም ብሽክለታ ዙር ፈረንሳ ትማሊ 24 ሓምለ ኣብ ከተማ ፓሪስ ጎደና ሻ-ን-ዘ-ሊዘ ተዛዚሙ።

ኣብዚ ንኣስታት ሰለስተ ሰሙን ዝተኻየደ ቅድድም፣ እንግሊዛዊ ክሪስ ፍሩም ካብ ክለብ ስካይ ተዓዋቲ ብጫ ማልያ ብምዃን ዘውዲ ደፊኡ።

ክሪስ ፍሩም ንብጫ ማልያ ዙር ፈረንሳ ክዕወት እዚ ናይ ሎሚ ዓመት ንተኸታታሊ ሳልሳይ እዋን’ዩ።

ኣብዚ 21 መድረኻት ዝሓቖፈ ውድድር፣ ኤርትራውያን ፕሮፌሽናል ተቐዳደምቲ ዳኒኤል ተኽለሃይማኖትን ናትናኤል ብርሃነን ንዳይመንሽን ዳታ ወኪሎም ክወዳደሩ እንከለዉ፣ ኢትዮጵያዊ ጽጋቡ ገብረማርያም ምስ ኢጣልያዊት ጋንታ ተሓቑፉ ንፈለማ እዋኑ ተሳታፊ እዚ ብደረጃ ዓለም ብዕብየቱ ኣብ ቀዳማይ ዝስራዕ ቅድድም ብሽክለታ ኮይኑ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ መበል 102 ቅድድም ዙር ፈረንሳ፣ ዳኒኤል ተኽለሃይማኖትን መርሃዊ ቅዱስን ንፈለማ እዋኖም ዝተወዳደሩ ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ብምዃን ታሪኽ ከምዝሰርሑ ኣይርሳዕን።

ብዘይካ’ዚ’ውን ብናይ ግዜ ቅድድም ንመበል 102 ዙር ፈረንሳ ዝኸፈተ ዳኒኤል ተኽለሃይማኖት፣ንተኸታታሊ ኣርባዕተ መዓልታት ማልያ “ኣንበሳ ዓቐብ” ዝለበሰ ናይ መጀመርያ ኣፍሪቃ ክኸውንን ከምዝበቕዐ ይዝከር።

ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት፣ ኤርትራውያን ብውልቂ ዘመዝገብዎ ዓወት እኳ እንተዘይነበረ፣ ደቡብ ኣፍሪቃዊት ጋንትኦም ዳይመንሽን ዳታ ምስ ብሉጻት ጋንታታት ንኽትስራዕ ዓቢ ግደ ተጻዊቶም’ዮም።

ወዲ ጋንትኦም እንግሊዛዊ ማርክ ካቫንዲሽ፣ ኣብ ዝተወሰነ መድረኻት ብጫ ማልያ ንኽዕወት’ውን ኣበርክቶ ዳኒኤልን ናትናኤልን ካልኦት ኣባላት እታ ጋንታን ልዑል ምንባሩ ተንተንቲ ስፖርት ይገልጹ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0