ኣብ ከሰላ ዝላባዕ ዘሎ ሕማም፣ ንሓያሎ ኤርትራውያን የጥቅዕ ኣሎ

ኣብ ከሰላ ዝላባዕ ዘሎ ሕማም፣ ንሓያሎ ኤርትራውያን የጥቅዕ ኣሎ

Radio Erena: 04 October 2018

Kassala Hospital

ኣብ ሱዳን፣ ዞባ ከሰላ ዝላባዕ ዘሎ ሕማም ንሓያሎ ኤርትራውያን ግዳያት ይገብር ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ወከልቲ ሬድዮ ኤረና ኣብቲ ከባቢ ምስ ዝነብሩ ኤርትራውያን ኣብ ዘካየድዎ ዝርርብ፣ እቲ ሕማም ኣብ መላእ እቲ ዞባ ኣስፋሕፊሑ ከምዘሎ ብምርግጋጽ፣ ሓያሎ ካብቶም ግዳያት ኣብቲ ዞባ ዝነበሩ ኤርትራውያን ምዃኖም ገሊጾም።

ኣብቲ ዞባ ዘስፋሕፍህ ዘሎ ሕማም “ቺኩንጉንያ” ንምግታእን ንግዳያት ህጹጽ ረዲኤት ንምብጻሕን፣ መንግስቲ ሱዳን ተበግሶታት ከምዝወሰደ ይግለጽ እኳ እንተሎ፣ ከምቲ ዝድለ ኣኻሊ ከምዘይኮነ ምምሕዳር ዞባ ከሰላ የመልክት።

እቲ ምምሕዳር ብዘቕረቦ ኣሃዝ መሰረት ልዕሊ 11 ሽሕ ነበርቲ ዞባ ከሰላ በቲ ሕማም ተጠቒዕም ኣለዉ።

ዝተፈላለዩ ወገናት ብዝህብዎ ዘለዎ ሓበሬታ፣ በቲ ሕማም ናይ ዝተጠቕዑ ቁጽሪ ካብዚ ዘለዎ ክዛየድ ከምዝኽእል ብምእንፋት፣ ብውሕዱ 25 ሰባት ከምዝሞቱ ይጠቕሱ።

ኣብ ዞባ ምብራቕ ሱዳን፣ ልዕሊ 90 ሽሕ ኤርትራውያን ከምዝነብሩ’ዩ ዝግለጽ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ነቶም ኣብ ዞባ ከሰላ ብዝላባዕ ዘሎ ሕማም፣ ግዳያት ንዝኾኑ ሰባት ንምሕጋዝ፣ ካብ ኤርትራን ሱዳን ዝተዋጽኡ ስነጥበባውያን፣ ኣብ ኣውስትራልያን ፈረንሳን ምርኢታት ከምዝወደቡ ወከልቲ ሬድዮ ኤረና ገሊጾም።

ብጣንጡ ዝላባዕ ሕማም ‘ቺኩንጉንያ” ምስ ዓሰ ዝመሳሰል ምልክታት ዘለዎ ኮይኑ፣ ቅልጡፍ ሕክምና እንተዘይረኺቡ ካብ ከቢድ ስንክልና ክሳብ ሞት ከምዘብጽሕ ክኢላታት ዓውዲ ሕክምና የጠንቕቑ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0