ሱዳን፣ ክልተ ወትሃደራውያን ነፈርቲ ብምግጫወን ሸሞንተ ሰባት ቆሲሎም

ሱዳን፣ ክልተ ወትሃደራውያን ነፈርቲ ብምግጫወን ሸሞንተ ሰባት ቆሲሎም

Radio Erena: 03 October 2018

Antonov Sudan

ስርሓት ሩስያ ዝኾና ኣንቶኖቭ ዝዓይነተን ክልተ ወትሃደራውያን ነፈርቲ ሱዳን፣ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ካርቱም ብምግጫወን ብውሕዱ ሸሞንተ ሰባት ቆሲሎም።

እተን ናይ ሰብን ንብረትን ኣብ ምምልላስ ዝነጥፋ ወትሃደራውያን ነፈርቲ፣ ብሮቡዕ 3 ጥቅምቲ፣ ንበረራ ኣብ ዝዳለዋሉ ጽርግያ እናተጓዓዛ እንከለዋ’የን ተጋጭየን።

ጠንቂ እቲ ግጭት፣ ኣብ ናይ ኣየር ትራፊክ መቆጻጸሪ ብዘጋጠመ ቴክኒካዊ ጌጋ ክኸውን ከምዝኽእል ይግለጽ እኳ እንተሎ፣ ምጽራይ ይካየደሉ ከምዘሎ ኣፈኛ ሰራዊት ሱዳን ብርጋዴር ጀነራል ኣሕመድ ኸሊፋ ሻሚ ገሊጹ።

ኣብ ሱዳን፣ ኣብ ሓደ ወርሒ ጥራይ፣ ሓደጋ ወትሃደራውያን ነፍርቲ ከጋጥም እዚ ንሳልሳይ እዋኑ ምዃኑ ጸብጻብ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ይጠቕስ።

ኣብ 21 መስከረም፣ ነፋሪት ውግእ ሱዳን ወዲቓ ብምሕምሻሻ ክልተ ኣብረርታ ከምዝሞቱ’ውን እቲ ምንጪ የመልክት።

ብሰንኪ እገዳ፣ መቐያየሪ ኣቑሑ ይኹን ሓደስቲ ነፈርቲ ንምግዛእ ን20 ዓመታት ተጸጊማ ዝጸንሐት፣ ሱዳን ሓንቲ ካብተን ዝበዝሐ ሓደጋጋት ነፈርቲ ዘጋጥመን ሃገራት ዓለም’ያ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0