“ኣብ እስራኤል ፣ ስራሕ ዝደልዩ ደኣ’ምበር ሓተቲ ዑቕባ የለውን” ቀ/ሚ ቤንያሚን ናታንያሁ

“ኣብ እስራኤል ፣ ስራሕ ዝደልዩ ደኣ’ምበር ሓተቲ ዑቕባ የለውን” ቀ/ሚ ቤንያሚን ናታንያሁ

Radio Erena: 08 July 2016

Kagame

“መንግስቲ እስራኤል፣ ናብ ሩዋንዳን ኡጋንዳን ዝጠረዞም ዜጋታት ኤርትራን ሱዳንን ሓተቲ ዑቕባ ዘይኮኑ፣ ናይ ስራሕ ዕድላት ንምርካብ ናብታ ሃገር ዝኣተዉ’ዮም ክብል ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንያሚን ናታንያሁ ገሊጹ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ነዚ ዝገለጸ ብኡጋንዳ ዝፈለመ ናይ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዑደቱ ብምቕጻል ናብ ሩዋንዳ ድሕሪ ምእታዉ’ዩ።

ጋዜጣ ዘ ኢስት ኣፍሪካ ኣብ ዘቕረበቶ ጸብጻብ፣ እቲ ቀዳማይ ሚኒስትተር ምስ ፕረዚደንት ርዋንዳ ፖል ካጋመ ብሓባራ ኣብ ዘካየድዎ ጋዜጣዊ ዋዕላ፣ “እቶም ናብ እስራኤል ዝመጹ ዘለዉ መንእሰያት፣ ፖለቲካዊ ዑቕባ ዝሓቱ ዘይኮኑ፣ ስራሕ ዝደለዩ ጥራይ’ዮም፣” ክብል ነቲ መንግስቲ እስራኤል ኤርትራውያን ዝርከብዎም ሓተቲ ዑቕባ ይጥርዝ ኣሎ ዝብል ሕቶ ነጺግዎ።

 

ንሱ ብተወሳኺ፣ “ፖለቲካዊ ዑቕባ ንዝሓተቱ ይወሃቦም’ዩ፣ ስራሕ ንዝደልዩ ግና ናብታ ሃገር ዘእቱ ሕጋዊ ናይ ስራሕ ፍቓድ ስለዘሎና ነዚ ዘየማልአ ከምዘይቕበልዎ’ውን ገሊጹ።

መግለጺ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ነቶም ኣብ እስራኤል ዝርከቡ መብዛሕቶም ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣስታት 35 ሽሕ ሓተቲ ዑቕባ ዝኽሕድ’ዩ።

ኣብዚ ምስ ፕረዚደንት ርዋንዳ ፖል ካጋመ ዘካየዶ ርክብ’ውን ቤንያሚን ናታንያሁ፣ ኣስሓት ዜጋታት ኤርትራን ሱዳንን ናብ ርዋንዳ ንምጥራዞም ተወስኺ ስምምዓት ከምዘካየደ ካብታ ሃገር ዝመሓላለፍ ዘሎ ሓበሬታ የረድእ።

መንግስቲ ሩዋንዳ’ውን ካብ እስራኤል ዝጥረዙ ስደተኛታት ንምቕባል ምስ መንግስቲ እስራኤል ስምምዕ ምኽታሙ ኣይሓብአን።

እስራኤል ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ኣስታት 3 ሽሕ ዜጋታት ኤርትራን ሱዳንን ናብ ሩዋንዳን ኡጋንዳን ከምዝጠረዘት ጸብጻብ ጋዜጣ ዘ ኢስት ኣፍሪካ የመልክት።

ኣብ ዝቕጽል ዓመታት’ውን እስራኤል ተወሰኽቲ ኣሽሓት ስደተኛታት ናብዘን ሃገራት ንምጥራዝ መደብ ከምዘለዋ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ኣብዚ ናይ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዑደቱ ኣነጺርዎ ኣሎ።

እስራኤል ኣምሳያኡ ንሩዋንዳን ኡጋንዳን ፊናንስያውን ወትሃደራውን ሓገዛት ክትገብረለን ምዃና ዝግለጽ እኳ እንተኾነ፣ ውዕል ናይቲ ዝተኸተመ ስምምዕ ብዝርዝር ኣይተፈልጠን።

መንግስቲ እስራኤል፣ ኣሽሓት ሓተቲ ዑቕባ ብወለንትኦም ናብ ሩዋንዳ ወይ ኡጋንዳ ክጥረዙ ወይ ድማ ኣብ ኾሎት ክቕየዱ ዝብል ሕጊ’ዩ ዘለዎ።

=======================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0