ኣብ እስራኤል ዝርከባ ኣብያተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኤርትራ፣ ብሰንኪ ምትእትታው መንግስቲ ኤርትራ ንሓድሕደን ኣብ ምውንጃል ተጸሚደን ከምዝርከባ ተሓቢሩ

ኣብ እስራኤል ዝርከባ ኣብያተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኤርትራ፣ ብሰንኪ ምትእትታው መንግስቲ ኤርትራ ንሓድሕደን ኣብ ምውንጃል ተጸሚደን ከምዝርከባ ተሓቢሩ

Radio Erena: 03 December 2014

Ortodox

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ጉዳያት ሃይማኖታት ብሰንኪ ዝቕጽሎ ዘሎ ምትእትታው፣ ኣብ እስራኤል ዝርከባ ክልተ ኣብያተ ክርስትያን ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ኤርትራ ንሓድሕደን ኣብ ምውንጃል ተጸሚደን ከምዝርከባ ወኪል ሬድዮ ኤረና ካብ ቴልኣቪቭ ኣረጋጊጹ።

እተን ኣብያተ ክርስትያን ብሰንኪ ምትእትታው መንግስቲ ኤርትራ ንኣስታት ኣርባዕተ ዓመታት ተተፋኒነን ዝጸንሓ’የን።

ኣመንቲ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኣብ እስራኤል ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመታት ዝጀመረ ክቢድ ባእሲን ፍልልይን ከም ዝጸንሖም ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ካብ “ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ” ዝተላኣከ ምስጢራዊ ደብዳቤ ከም ዝሕብሮ

እታ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን ኣብ ትሕቲ ምሉእ ምሕደራ መንግስቲ ኤርትራ ምንባራን በዚ ድማ ካብ ኣቕሽሽቲን ዶያቆናትን ክሳብ ቤት ትምህርቲ ሰንበት ናይ ክልቲኡ ቤት ጸሎታት ማለት ቤት ጸሎት እንዳማርያምን እንዳመድሃኒኣለምን ክሳብ ተራ ኣመንቲን ተገልገልቲን ከቢድ ጽልኢን ቅርሕንቲን ከም ዝጸንሖም፡ እቶም ነቲ ምስጢር ዘቃልዑ ግዱሳት ኣመንቲ ኣፍሊጦም።

እቶም ብ “ብጉዳይ ቤተ ክርስትያን ዝሓዘኑ ግዱሳት ደቂ ቤተክርስትያን” ብዝብል ስም ክጽውዑ ዝመረጹ ኣመንቲ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ፣ ነቲ ካብ ኣስመራ ዝተላኣከን ቅዳሕ ንኣምባሳደር ተስፋማርያም ተኸስተ ክወሃቦ ዝሕብርን ክልተ ደብዳቤታት ምስ ኣንበቡ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ኣብ ኣስራኤል ብመንግስቲ ኤርትራ ከም ትመሓደርን ከም ትእለን ድሕሪ ምርግጋጽ ኣብ መንጎ ክልተአን ቤት ጸሎታት ዘሎ ባእስን ውጥርን መፍትሒ ክርከበሉ ዘለዎ ተስፋ ገሊጾም።

እቲ ብዕለታት 16 መስከረምን 3 ሕዳርን ዝተላእከ ክልተ ደብዳቤታት ድሕሪ ምንባብ ከኣ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ሕጂ’ውን ኣብ ኣፍ ተዃሉ ምህላዋ ኣገንዚቦም።

ኣብ መንጎ’ተን ብእንዳማርያምን እንዳመድሃኒኣለምን ዝፍለጣ ኣብያተ ጸሎት ባእስን ጽልእን ምጽንሑ ኣብ’ዘን ዝሓለፋ ክልተ ዓመታት ብተደጋጋሚ ክግለጽ ዝጸንሐ’ዩ።

እዚ ካብ ኤርትራ ናብ እስራኤል ዝተላእካ ክልተ ደብዳቤታትን ካልእ መርትዖታትን ከምዘረጋግጾ’ውን መንግስቲ ኤርትራ ኣብ መንጎ ካብ ቤተ ክርስትያን መድሃኔ ኣለም ዝኾና ሰበኻ ጉባኤን፡ መንእሰያት ቤት ትምህርቲ ሰንበትን ንዝተፈጥረ ሽግርን ባእሲን ንኽፈትሕ ነቲ ደብዳቤታት ከም ዝለኣኾን ነቲ ዋንነት ስደተኛታት ዝኾነ ብኣሽሓት ዝግመት ገንዘብ ከይተንከፍዎ ክጸንሑ ከም ዘጠንቀቖም ይገልጽ።

ኣብ ኡጋንዳን ካልኦት ሃገራት’ውን ዝርከባ ኣብያተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ’ውን ብሰንኪ እዚ ምትእትታው ናይ መንግስቲ፣ ኣብ መንጎ ደገፍትን ተቓወምትን ህግደፍ ናይ ምግምማዕ ሓደጋ ጸልዩወን ምህላዉ ዝፍለጥ’ዩ።

===========================================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0