ኣልሸባብ ኣብ ኬንያ ዝፍጽሞ ዘሎ ተደጋጋሚ ጃምላዊ ቅትለት፣ ጸጥታ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ ሓደጋ ከምዘሎ ዘመልክት ምዃኑ ተገሊጹ

ኣልሸባብ ኣብ ኬንያ ዝፍጽሞ ዘሎ ተደጋጋሚ ጃምላዊ ቅትለት፣ ጸጥታ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ ሓደጋ ከምዘሎ ዘመልክት ምዃኑ ተገሊጹ

Radio Erena: 03 December 2014

kenya attack

ኣልሸባብ ኣብ ኬንያ ዝፍጽሞ ዘሎ ተደጋጋሚ ጃምላዊ ቅትለት፣ ጸጥታ ኬንያን ሃገራት ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃን ኣብ ሓደጋ ከምዘሎ ዘመልክት’ዩ ክብሉ ኣማኸርቲ ጸጥታ ሃገራት ምዕራብ ገሊጾም።

ጉጅለ ኣልሸባብ ናብ ትምሊ ሰሉስ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ኣብ ዞባ ማንደራ ኣብ ምጽራብን ምኹዓትን ንህንጻ ዝኸውን ኣእማን ዝተዋፈሩ 36 ናይ ጉልበት ሰራሕተኛታት ምርሻኑ፣ ኣብ ኬንያ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት’ውን ሻቕሎት ፈጢሩ ምህላዉ’ዩ ዝግልጽ ዘሎ።

 

ዕጡቓት ኣልሸባብ ነቶም ኣብ ቴንዳታቶም ደቂሶም ዝነበሩ ሰለማውያን ሰባት በብሓደ እናውጽኡ ከምዝረሸነዎም’ውን ናይ ዓይኒ መሰኻክር ኣረጋጊጾም።

እቲ ሽበራዊ ጉጅለ፣ ኣቐዲሙ’ውን ኣብ 22 ሕዳር ኣብቲ ዞባ ሓንቲ ናይ መጓዕዝያ ኣውቶቡስ ብምጭዋይ ን28 ሰለማውያን ሰባት ከምዝረሸነ ዝዝከር’ዩ።

እቲ ምስ ኣልቃዒዳ ከምዝሓበረ ብወግዒ ዘፍለጠ ጉጅለ፣ ኣብ ክልቲኡ’ቲ ፍጻሜታት፣ ካብ ቁርኣን ክጠቕሱ ንዘይክኣሉ ሰለማውያን ሰባት በብሓደ ምርሻኑ፣ ኣሰር ናይቲ ኣብ ሃገራት ለቫንተ ብፍላይ ከኣ ሶርያን ዒራቕን ዝንቐሳቐስ ዘሎ ጉጅለ ዳዒስ ይስዕብ ከይህሉ ዝብል ትንታነታት ይወሃቦ ኣሎ።

ሃገራት ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃን ማሕበረሰብ ዓለምን ሓባራዊ ስጉምቲ እንተዘይወሲዶም ከኣ ኣልሸባብ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ዝፍጽሞ ዘሎ ዘስካሕክሕ ቅትለት ሰለማውያን ሰባት ክቕጽሎ ምዃኑ እቶም ክኢላታት ጸጥታ ኣጠንቒቖም።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ጸጥታ ኬንያ ኣብ ሓደጋ ወዲቕሉ ኣብ ዘሎ እዋን ፕረዚደንት ጆሞ ኬንያታ ንሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገርን ኣዛዚ ፖሊስን ካብ መዝነቶም ሰጕጉ።

እቲ ፕረዚደንት ነዞም ሰበ ስልጣን ካብ መዝነቶም ሰጉግ ዘሎ፣ ጸጥታ እታ ሃገር ኣብ ምሕያል ዝግባእ ኣበርክቶ ኣይገበሩን ብዝብል’ዩ።
============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0