ኣብ እስራኤል ንግዳያት ማእከላይ ባሕሪን ጥርኑፍ ጉጅለ ዳዕሽን ናይ ዝኽሪ መደብ ተኻዪዱ

ኣብ እስራኤል ንግዳያት ማእከላይ ባሕሪን ጥርኑፍ ጉጅለ ዳዕሽን ናይ ዝኽሪ መደብ ተኻዪዱ

Radio Erena: 04 May 2015

Isisvic

ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ንግዳያት ማእከላይ ባሕሪን ጥርኑፍ ጉጅለ ዳዕሽን ናይ ዝኽሪ መደብ ኣካይዶም።

እቲ ብቀዳም ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቀትሪ፡ ኣብቲ  ብእንዳሳዕሪ ዝፍለጥ ከባቢ ዝተኻየደ ፍትሓትን ዝኽሪን ብኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ኣብ እስራኤል ዝተወደበ ኮይኑ፣ ብኣማኢት ዝቑጸር ህዝቢ ከምዝተሳተፎ፣ ልኡኽ ሬድዮ ኤረና ካብቲ ቦታ ሓቢሩ። ብተወሳኺ ኣብ’ቲ ዝኽሪ፣ ቤተሰብ ግዳያትን መራሕቲ ሃይማኖትን ተረኺቦም ቃል ፍትሓት፡ ቃል ምስጋናን ለበዋታትን ከም ዘስምዑ ተፈሊጡ።

 

ሰለስተ ካብ’ቶም ግዳያት ጥርኑፍ ጉጅለ ዳዕሽ ዝኾኑ ኤርትራውያን ኣብ እስራኤል ብምንባሮም፡ ኣብ’ዚ ቅንያት ብዙሓት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ዝተፈላለዩ ሜድያታትን ክዛረቡሉን ንኣተሓሕዛ መንግስቲ እስራኤል ክኹኑኑን ከም ዝቐነዩ ይፍለጥ።

ብዘይካ’ዞም ሓደጋ ሞት ዘጋጠሞም ኤርትራውያን ስደተኛታት ካልኦት’ውን ካብ’ዞም ተሪፎም ዘለዉ ክኸዱ ይደፋፍኡን ይግደዱን ስለ ዘለዉ፡ ናብ ተመሳሳሊ ሓደጋ ንኸይቃልዑ ዝጉስጉስ ርእይቶታት’ውን ቀሪቡ።

ብዘይካ’ዚ ዝበዝሕ ካብ’ቲ ዝሕወል ገንዘብ ካብ እስራኤል ብምዃኑ እቲ ሓገዝ ዘስዕቦ ብዙሕ ሽግራት ከም ዘሎ ተገንዚብና ከነቋርጾን ካልእ ፍታሕ ከነናዲን ዝብል ርእይቶታት’ውን ከምዝነበረ፣ ልኡኽ ሬድዮ ኤረና ሓቢሩ።

===============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0