ኣብ እስራኤል ብጌጋ ተቐይዶም ዝጸንሑ 23 ኤርትራውያን ተለቒቖም

ኣብ እስራኤል ብጌጋ ተቐይዶም ዝጸንሑ 23 ኤርትራውያን ተለቒቖም

Radio Erena: May 14, 2014

ER IS

መንግስቲ እስራኤል፣ ብጌጋ ቀይዶም ዝጸንሐ 23 ኤርትራውያን ከምዝለቐቖም ጋዜጣ ሃረጽ ሓቢራ።

እታ ጋዜጣ ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን ኣብ አቕረብቶ ጸብጻብ፣ 24 ኤርትራውያን ሕጊ ኢምግሬሽን እታ ሃገር ጥሒስኩም ተባሂሎም ሖልት ኣብ ዝተባህለ ቦታ ተቐይዶም ከምዝነበሩ ብምጥቓስ፣ ሓደ ካብኣቶም ግና ብኡ ንብኡ ጠበቓ ክረክብ ብምኽኣሉ ከምዝተለቐ ኣረጋጊጻ’ያ።

ኩነታት ናይቶም 23 ኤርትራውያን ድማ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ከይተሓበረ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ብሰንበት 11 ግንቦት ከምዝተፈትሑ እታ ጋዜጣ ኣፍሊጣ።

 

========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0