ኣብ ላምፔዱሳ ብዘጋጠመ ምጥሓል ጃልባ፣ ዜግነቶም ዘይተነጸረ ብውሕዱ 17 ስደተኛታት ሞይቶም

ኣብ ላምፔዱሳ ብዘጋጠመ ምጥሓል ጃልባ፣ ዜግነቶም ዘይተነጸረ ብውሕዱ 17 ስደተኛታት ሞይቶም

Radio Erena: May 14, 2014

Lampe 14

ኣስታት 400 ስደተኛታት ዝጸዓነት ጃልባ ኣብ ገማግም ባሕሪ ላምፔዱሳ ብምጥሓላ ብውሕዱ 17 ሰባት ከምዝሞቱ ተገሊጹ።

ኣስታት 200 ዝኾኑ ሰባት ኣድሒኑ ዘሎ ሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ፣ ገን ናይ ኣስታት ሓደ ሚእቲ ሃለዋት ክፍለጥ ብዘይምኽእሉ፣ያ ቁጽሪ ግዳያት እቲ ሓደጋ ክውሽክ ከምዝኽእል ይእንፍት።

ኣቐዲሙ’ውን 130 ስደተኛታት ዝጸዓነት ጃልባ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ብምጥሓላ ብውሕዱ 36 ከምዝሞቱ ተሓቢሩ’ዩ።

 

ዜግነት ግዳያት ናይዚ ክልቲኡ ሓደጋታት ዛጊት ብንጹር ኣይተነጸረን።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ብዋህዚ ስደተኛታት ዘማርር ዘሎ መንግስቲ ሊብያ፣ ናብ ኢጣልያ ዝተበገሰት መብዛሕቶም ኤርትራውያ ዝርከብዎም 450 ስደተኛታት ዝጸዓነት ጃልባ ከምዝሓዘ ኣፍሊጡ።
===================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0