ኣብ እስራኤል፣ ግፋ ኤርትራውያን ተኻይዱ

Radio Erena: 28 December 2016

Israel pol

ሓይልታት ኢሚግሬሽን እስራኤል፡ ኣብ ከተማ ፔታኽ ቲክቫ ግፋ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዘካየዱ ወኪል ሬድዮ ኤረና ካብታ ሃገር ሓቢሩ።

እዚ ናብ ሰሉስ 27 ታሕሳስ ኣብ ዘውገሐ ለይቲ ዝተኻየደ ግፋ ኤርትራውያን፣ ከም መቐጸልታ ናይቲ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያትን ኢመግረሽን እስራኤል፡ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ከካይድዎ ዝጸንሑ ምእሳርን “ብፍታዎም” ኣብ ትሕቲ ዝብል ግዱድ ናይ ምጥራዝ ኣገባብን’ዩ።

ኣብቲ ግፋ ዝተዋፈሩ፣ ፍሉይ ልብሲ ዝወደዩ ሓይልታት ክፍሊ ኢምግሬሽን፣ ገዛ ገዛ እናኣተው ኣብ ዘካየድዎ ግፋ ነንዝሓዝዎም ኤርትራውያን እናከላበቱ ብፍሉይ ናብ ዝተዳለዋ ጸዓዱ ሚኒባሳት ሰቒሎም ከምዝወሰድዎም ተፈሊጡ።

እቲ ግፋ፡ ቪዛኦም ግዜኡ ንዘሕለፈን ዘየሐደሱን፡ ከምኡ’ውን ካብ ክፉት ቤት ማእሰርቲ ኾሎት መሊቖም ናብ ስራሕ ዝተዋፈሩን ዒላማ ዝገበረ ምንባሩ ይግለጽ።

ኣብቲ ገዛ ገዛ እናኣተኻ ዝተኻየደ ግፋ፣ ብዝሒ ዝተታሕዙ ኤርትራውያን ብልክዕ ክፍለጥ እኳ እንተዘይተኻእለ፣ ኣስታት 50 ኤርትራውያን ተቐድይዶም ከምዘለዉ ናይ ዓይኒ መሰኻክር ግምታቶም ይህቡ።

ብጸጥትኣን ሰለማዊ መነባብሮኣን እትፍለጥ ከተማ ፔታኽ ቲክቫ፡ ካብ ተል ኣቪቭ ኣስታት 10 ኪሎመተር ርሒቓ እትርከብ፣ ሓንቲ ካብ ጥንታውያን ከተማታት እስራኢል ኮይና፡ ኤርትራውያን ብብዝሒ ክቕመጡላ ከምዝጀመሩ’ዩ ዝግለጽ።

እንተኾነ ሓይልታት እስራኤል፣ ኣብታ ብጸጥታኣን ሰላማን እትልለ ከተማ ንኤርትራውያን ዒላማ ዝገበረ ግፋ ከምዘካይዱ ይንግር።

እቲ ናብ 27 ታሕሳስ ዘውገሐ ለይቲ ዝተኻየደ ግፋ’ውን፡ ኣብ ባር ኮኾባ፡ ኻይምኦዘር፡ ሹቕ፡ ጎደና ፒኒስከርን ኣብ ዝተባህለ ኤርትራውያን ብብዝሒ ዝቕመጡሉ ከባቢታት’ዩ ኣተኵሩ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0