ኣብ እስራኤል፣ ብኤርትራውያን እትውነን መባእታ ቤት ትምህርቲ ኣቡጊዳ፣ ንወለዲ ናይ ቋንቋ እብራይስጥ ትምህርቲ ትህብ ኣላ

ኣብ እስራኤል፣ ብኤርትራውያን እትውነን መባእታ ቤት ትምህርቲ ኣቡጊዳ፣ ንወለዲ ናይ ቋንቋ እብራይስጥ ትምህርቲ ትህብ ኣላ

Radio Erena: 25 April 2016

Abu

ኣብ እስራኤል እትርከብ ብኤርትራውያን እተውነን ቤት ትምህርቲ ኣቦጊዳ፡ ጎኒ ጎኒ’ቲ ንቆልዑ እትህቦ ዘላ ናይ ቋንቋን ኣካዳምያዊ ትምህርቲንትን፡ ንወለዲ’ውን ናይ ቋንቋ እብራይስጥ ስሩዕ ትምህርቲ ክትህብ ከምዝጀመረት ወኪል ሬድዮ ኤረና ሓቢሩ።

ኣብዚ ቅድሚ ኣስታት ክልተ ወርሒ ዝጀመረ ትምህርቲ ቋንቋ እብራይስጥ፡ ዝሳተፉ ዘለዉ ወለዲ ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናበዝሑ ይመጽኡ ምህላዎምን ርኡይ ለውጢ ከምጽኡ ከምዝጀመሩን’ውን እቲ ካብ እስራኤል ዝበጽሓና ሓበሬታ የረድእ።

ኣብ እስራኤል ዝነብሩ ወልዲ፣ ደቆም ቋንቋ እብራይሽ ኣብ ዝዝረበሉ ሃገር እናዓበዩ እቶም ወለዲ ግና ጽቡቕ ምልከት ናይቲ ቋንቋ ብዘይምህላዎም፣ ኣብ ጉዳያቶም ብዙሕ ዕንቕፋታት ክርአ ምጽንሑ’ዩ ዝጥቐስ።

 

ቤት ትምህርቲ ኣቡጊዳ፣ ብኤርትራውያን ወለዲ ዝቖመ ናይ መባእታ ቤት ትምህርቲ ኮይኑ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ ንመጻኢ ብምቑማት፣ ወለዲ’ውን ተሳተፍቲ ናይቲ ንኤርትራውያን ነበርቲ እስራኤል ዝጠመተ ቤት ትምህርቲ ምዃኖም ከምዘሐጎሶም ኣካይድቲ እቲ ቤት ትምህርቲ ይገልጹ።

ኣብ እስራኤል ኣስታት 35 ሽሕ ዝግመቱ ኤርትራውያን ይነብሩ።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0