ኣብ ኤርትራ ዞባ ማእከል ዝካየድ ዘሎ ምርጫ ኣመሓደርትን ኣካየደቲ ስራሕን ንኡሳን ዞባታት ንሃልኪ’ዩ ተባሂሉ

ኣብ ኤርትራ ዞባ ማእከል ዝካየድ ዘሎ ምርጫ ኣመሓደርትን ኣካየደቲ ስራሕን ንኡሳን ዞባታት ንሃልኪ’ዩ ተባሂሉ

Radio Erena: April 10, 2014

eri Elect

ኣብ ዞባ ማእከል፣ ክካየድ ጀሚሩ ዘሎ ምርጫ ኣመሓደርትን ኣካየድቲ ስራሕን ንኡሳን ዞባታት ንሃልክን ድኻምን እንተዘይኮይኑ ዘምጽኦ ለውጢ የለን ክብሉ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

ምምሕዳራት ንኡሳን ዞባታት ዝህብኦ ኣገልግሎታት ከም ኩፖን ምዕዳል፣ ብዝሒ ኣባላት ተጠቐምቲ ኩፖን ንምጽራይ፣ ሞባልይ ቴሌፎን ንምርካብ ደገፍ ምጽሓፍ…ወዘተ ዝኣመሰለ እንተዘይኮይኑ ካልእ ኣገደስቲ ጉዳያት ከሳልጥ ዘይክእል ክነሱ፣ ህዝቢ ኣመሓደርትን ኣካይድቲ ስራሕን ክመርጽ ምግዳዱ ንሃልኪ ጥራይ’ዩ ክብሉ እቶም ምንጭታት ኣረዲኦም።

ከም ጉዳይ መንነት ወረቐት፣ ፓስፖርት፣ ዋኒን ንግዲ…ወዘተ ዝኣመሰለ ኣገልግሎትታ ንምስላጥ ካብ ምምሕዳር ዝወሃብ ናይ ደገፍ ደብዳቤ፣ ብህግደፍ ብዝተረቑሑ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ብዝነበሩ ኣመሓደርቲ ከባቢታት ዝውሰን ኣብ ርእሲ ምዃኑ እዚ’ውን ነዊሕን ዝተሓላለኸን መሳልል ከምዘለዎ ዝፍለጥ’ዩ።

 

ህዝቢ ኣመሓደርቱ ክመርጽ ዝንኣድ ተበግሶ እኳ እንተኾነ፣ ምርጫ፣ ብዙሕ ኣገልግሎት ኣብ ዘይብሉ ጽፍሕታት ጥራይ ተሓጺሩ ክተርፍ ግና ቅቡል ኣይኮነን።

ኣብ ኤርትራ ብዙሓውያን ሰልፍታት ዝሳተፍኦ ዴሞክራስያዊ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ክካየድ ትጽቢት ኩሉ ደላይ ደሞክራሳዊ ለውጢ እኳ እንተኾነ፣ ብዘይ ምርጫ ንልዕሊ 20 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዘሎ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ግና ምርጫ ከምዘይካየድ ምስ ማዕከናት ዜና ዓለም ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ ደጋጊሙ ገሊጹ’ዩ።

በንጻሩ ድማ ህዝቢ ብዙሕ ኣገዳስነት ኣብ ዘይብሉ ምርጫ ኣመሓደርትን ኣካየድቲ ስራሕን ንኡሳን ዞባታት ክመርጽ ብኩፖን ምግዳዱ፣ መንግስቲ ኤርትራ ናይ ሓቒ ኣብ ምርጫ እምነት ስለዘለዎ ዘይኮነ፣ ንሃልኪ ጥራይ ዘተግብሮ ዘሎ ምዃኑ እቶም ነዚ ሓበሬታ ዝልኣኹ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ኣገንዚቦም።

ስእሊ፣- ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ

===============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0