ተቓውሞ ኣለዓዒልኩም ብዝብል ክሲ ካብ  ክልተ ዓመትን ኣርባዕተ ወርሕን ክሳብ ኣርባዕተ ዓመታት ክእሰሩ ዝተፈርዱ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ብናይ ገንዘብ መቕጻዕቲ ጥራይ ተፋንዮም

ተቓውሞ ኣለዓዒልኩም ብዝብል ክሲ ካብ ክልተ ዓመትን ኣርባዕተ ወርሕን ክሳብ ኣርባዕተ ዓመታት ክእሰሩ ዝተፈርዱ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ብናይ ገንዘብ መቕጻዕቲ ጥራይ ተፋንዮም

Radio Erena: April 10, 2014

eri Ethio Rel

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ዓዲ ሓሩሽን ማይ ዓይኒን ዝተኻየደ ተቓውሞታት ወዲብኩም ተባሂሎም ኣብ ቀይዲ ዝጸንሑ 11 ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዝተለቑ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ካብ መዓስከር ስደተኛታት ዓዲ ሓሩሽ ኣብ ቀይዲ ዝጸንሑ ሓሙሽተ ኤርትራውያን፣ ነፍሲ ወከፎም 2 ዓመትን ኣርባዕተ ወርሕን ክእሰሩን ብድምር ድማ 20 ሽሕ ብር ክኸፍሉን’ዩ ተበይንሎም ኔሩ።

ንሳቶም፣ ካብቲ ዝተበየነሎም ናይ ክልተ ዓመትን ኣርባዕተ ወርሕን ማእሰርቲ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ናጻ ክልቐቑ እንከለዉ፣ እቲ 20 ሽሕ ብር ድማ ኣብ ሱዳንን ኣብ መዓስከራት ኢትዮጵያን ዝርከቡ ወገናቶም ብምውጻእ ክኸፍለሎም ከምዝኸኣለ’ውን ተፈሊጡ።

 

እቶም ካብ መዓስከር ስደተኛታት ማይ ዓይኒ ዝተኣስሩ ሽዱሽተ ኤርትራውያን ድማ ነፍሲ ወከፎም ክሳብ ኣርባዕተ ዓመት ክእሰሩን ብድምር ድማ 14 ሽሕ ክኽፈሉን ቤት ፍርዲ ወረዳ ጸለምቲ በይኑሎም እኳ እንተነበረ፣ ካብ ማእሰርቲ ግና ካብ ትማሊ ናጻ ተፋንዮም ኣለዉ።

ይኹን’መብር እቲ ተበይንሎም ዘሎ ብድምር 14 ሽሕ ብር መቕጻዕቲ፣ ክኽፍልዎ ዓቕሚ ስለዘይብሎም፣ ሕጂ’ውን ሓገዝ ኤርትራውያን የሕዋቶም ይሓቱ ኣለዉ።

============================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0