ኣብ ኤርትራ ዝጸንሑ 10ታት ዕጡቓት ኢትዮጵያ ናብ ሃገሮም ክሰግሩ ኣብ ዝፈተንሉ ኣብ ከባቢ ገርገፍ ተታሒዞም

ኣብ ኤርትራ ዝጸንሑ 10ታት ዕጡቓት ኢትዮጵያ ናብ ሃገሮም ክሰግሩ ኣብ ዝፈተንሉ ኣብ ከባቢ ገርገፍ ተታሒዞም

Radio Erena: 05 July 2018

omhajerኣብ ኤርትራ ካብ ዝርከቡ ዕጡቓት ኢትዮጵያ ምዃኖም ዝተገልጹ ኣስታት 30 ዝኾኑ ወተሃደራት፣ ብመንገዲ ኦምሓጀር ናብ ሃገሮም ንምስጋር ኣብ ዝፈተንሉ፣ ብሰራዊት ኤርትራ ተኸቢቦም፣ ብዓርቢ 22 ሰነ ኣብ ከባቢ ገርገፍ ከምዝተታሕዙ ድሒሩ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።

እቶም ዕጡቓት፣ ሓርበኛታትን ኣባላት ግንቦት ሸውዓተን ናይ ዝተባህለ ኣብ ኤርትራ ዝመደበሩ ናይ ልፍንቲ ተቓውሚ ሓይሊ ክኾኑ ከምዝኽእሉ ዝገለጹ እቶም ነዚ ሓበሬታ ዝልኣኹ ምንጭታት፣ ኣቐዲሞም’ውን ሓያሎ ዕጡቃት ብተመሳሳሊ መንገዲ ናብ ኢትዮጵያ ሰጊሮም ከምዘለዉ ኣፍሊጦም።

እቶም ዕጡቓት ናብ ሃገሮም ንምስጋር ብእኩብ ተበግሶታት ዝወስዱ ዘለዉ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ተራእዮ ብዘሎ ናይ ደሞክራስን ሰላምን ተስፋታት ብምርኣይ’ዮም።

ኣብ ኤርትራ ዝመደበሩ ግንቦት ሸውዓተ፣ እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ተበጊሱ ዘሎ ለውጢ ተስፋታት ከምዘለዎ ብምእማን፣ ከካይዶ ዝጸንሐ ብረታዊ ጎነጽ ንግዜኡ ደው ከምዘበሎ ኣቐዲሙ ምግላጹ ኣይርሳዕን።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ትሕቲ ኢዱ ንዝጸንሐ መራሕ ናይቲ ዕጡቕ ጉጅለ ኣቶ ኣንዳርጋቸው ጽገ ብምሕረት ክፈትሕ እንከሎ፣ ኣብ ስደት ንዝነበረ ካልኣዩ ዶክተር ብርሃኑ ነጋ ከኣ ኣብ ልዕሊኡ ዝተመስረተ ክስታት ብምሉኡ ከምዝሰረዘሉ ኣፍሊጡ’ዩ።

እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ተወሊዱ ዘሎ ናይ ለውጢ ሃዋሁ፣ ኣብ ኤርትራ ንዝመደበሮም መራሕቲ ተቓወምቲ’ውን ናብ ሃገሮም ከምዝኣትዉ ምግባሩ ኣብ ዝሓለፈ ተገሊጹ’ዩ።

======================= 

COMMENTS

WORDPRESS: 0