ጅቡቲ፣ ኣብ ኣፍሪቃ ብዕብየቱ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝስራዕ ናጻ ናይ ንግዲ ዞባ ተኸፊቱ

ጅቡቲ፣ ኣብ ኣፍሪቃ ብዕብየቱ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝስራዕ ናጻ ናይ ንግዲ ዞባ ተኸፊቱ

Radio Erena: 05 July 2018

Djibouti free trade Zone

ኣብ ኣፍሪቃ ብዕብየቱ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝስራዕ ናጻ ናይ ንግዲ ዞባ ኣብ ጅቡቲ ተኸፊቱ።

እቲ ኣብ 240 ሄክታር ዝተደኮነ ናጻ ናይ ንግዲ ዞባ ሎሚ ሓሙስ 5 ሓምለ ብወግዒ ኣብ ዝተመረቐሉ፣ ብዘይካ ናይ ኤርትራ መራሕቲ ኩለን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ፣- ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፣ ፕረዚደንት ሱዳን፣ ፕረዚደንት ሶማል ከምኡ ድማ ፕረዚደንት ርዋንዳ ፑል ካጋመን ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃን ተረኾቦም።

እዚ ተመሪቑ ዘሎ ክፋል እቲ ቀዳማይ ደረጅኡ ጥራይ ኮይኑ ኣብ ውሽጢ’ዚ 10 ዓመታት ብናይ ልዕሊ 3 ቢልዮን ዶላር ባጀት ናብ 4800 ሄክታር ንምስፍሑ መደብ ተታሒዙ ኣሎ።

እቲ ብናይ ቻይና ምወላ ተሃኒጹ ዘሎ ናጻ ናይ ንግዲ ዞባ፣ ንሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ጥራይ ዘይኮነ ክሳብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝዝርጋሕ ኣገልግሎት ንምሃብ ምስፍሑ ክቕጽል ምዃኑ ተገሊጹ።

 

===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0