ኣብ ኤርትራ ዝዝርጋሕ ዘሎ ብቕዓቱ ዘይተረጋገጸ ዕሹግ መግብታት ጥዕናዊ ጸገም ይፈጥር

ኣብ ኤርትራ ዝዝርጋሕ ዘሎ ብቕዓቱ ዘይተረጋገጸ ዕሹግ መግብታት ጥዕናዊ ጸገም ይፈጥር

Radio Erena: 16 December 2014

Asmamark

ኣብ ኤርትራ፣ ዋሕዲ መሰረታዊ መግብታት ኣብ ኣሻቓሊ ደረጃ በጺሕሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ብቕዓቱ ዘይተረጋገጸ ከም ዘይትን ጸባን ዝኣመሰለ መግብታት ኣብ ዕዳጋ ይውዕል ብምህላዉ ጥዕናዊ ጸጋምት ይፈጥር ከምዘሎ ምንጭታት ኤረና ሓቢሮም።

እቲ ናብ ዕዳጋ ዝቀረብ ዘሎ ዕሹግ መግብታትን ዘይትን ብፍላይ ኣብ ቆልዑ ርኡይ ጥዕናዊ ጸገም ይፈጥር ምህላዉ ዘረጋገጹ እቶም ምንጭታት፣ መንግስቲ ክቆጻጸሮ ብዘይምኽኣሉ ወቒሶም።

ኣብ ዱኳን ሕድሪ ብመንግስቲ ናብ ዕዳጋ ዝቀረብ ዘሎ ብፍላይ ንነዊሕ እዋን ዝተዓቝረ ምዃኑ ብምጥቃስ ብትዕና መዳይ ሻቕሎት ፈጢሩ ምህላዉ እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ የረድእ።

 

ብኮንትሮባንዳ ዝኣተወ ብቕዓቱን ዘይተረጋገጸ ዕሹግ መግብታት ኣብ ጎደናታታን ዱኳናትን ብብዝሒ ይሽየጥ ምህላው፣ ኣብ ህዝቢ ትዕናዊ ጸገም ከየምጽእ ዝብል ሻቕሎት ብሬድዮ ኤረና ኣቐዲሙ ከምዝተቓለሐ ዝዝከር ኮይኑ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ከኣ ህዝቢ ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ከይተረፈ ብዛዕባ’ዚ ጥዕንኡ ዘይተረጋገጸ ዘይትን ጸባን ስኽፍትኡ ክገልጽ ክኢሉ ኣሎ።

==================================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0