ኣብ ደቡባዊ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሽወደናውያን በጻሕቲ ሃገራት መጥቃዕቲ ተኻይዱ

ኣብ ደቡባዊ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሽወደናውያን በጻሕቲ ሃገራት መጥቃዕቲ ተኻይዱ

Radio Erena: 17 December 2014

Sweatt

ኣብ ደቡባዊ ኢትዮጵያ ኣብ ከባቢ ስንጭሮ ኦሞ፣ መንነቶም ዘይተፈልጡ ዕጡቓት ኣብ ልዕሊ ሽወደናውያን በጻሕቲ ሃገራት ቶኽሲ ከምዝኸፈቱ ተሓቢሩ።

ማዕከን ዜና ኤክስፕረሰን ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ ብዓርቢ 12 ታሕሳስ ኣብቲ ምስ ኬንያ ዘዳውብ ደቡባዊ ክፋል ኢትዮጵያ ዑደት ዘካይዱ ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ኣርባዕተ ሽወደናውያን መጥቃዕቲ ምክያዱ ኣረጋጊጹ ኣሎ።

 

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ኤምባሲ ሽውደን’ውን ነዚ ፍጻሜ ከረጋግጽ እንከሎ፣ በቲ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ሽወደናውያን ዝወረደ ጉድኣት ከምዘየለ ኣፍሊጡ።

እቶም ሽውደናውያን በጻሕቲ ሃገር ብኢትዮጵያውያን መራሕቲ መካይንን ዓጀብትን ተሰንዮም እናተጓዕዙ’ዩ መንነቶም ካብ ዘይተፈልጡ ዕጡቃት ጽዕጹዕ ቶኽሲ ተኸፊትሎም።

ናይቲ ንሽወደናውያን በጻሕቲ ሃገር ዝዓለመ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል የለን።

መንግስቲ ኢትዮጵያ’ውን ብዛዕባ’ቲ መጥቃዕቲ ኣመልኪቱ ዝኾነ መብርሂ ኣይሃበን።

===========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0