ኣብ ኤርትራ ዝመደበሮም ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ ብናይ ሓባር ሜድያ ክሰርሑ ብመንግስቲ ኤርትራ ምድፍፋእ ይግበረሎም

ኣብ ኤርትራ ዝመደበሮም ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ ብናይ ሓባር ሜድያ ክሰርሑ ብመንግስቲ ኤርትራ ምድፍፋእ ይግበረሎም

Radio Erena: 30 December 2014

ESAT

ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ኤርትራ ዝመደበሮም ተቓወምቲ ሓይልታት ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ሓደ ወትሃደራዊ ጽላል ክጥነፉ ብመንግስቲ ኤርትራ ክግበረሎም ዝጸንሐ ምድፍፋእ፣ ናይ ሓባር ሜድያ ክህልዎም’ውን ጻዕርታት ይግበር ምህላዉ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብ ኣስመራ ኣረጋጊጾም።

ብፍላይ እቲ ዝልዓለ ወትሃደራዊ ሓይሊ ወኒኑ ኣሎ ዝብሃለ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ(ደምህት)፣ ምስቲ ብሜድያ ኣብ ኢትዮጵያ ሓያል ጽልዋ ይፈጥር ከምዘሎ ዝንገረሉ ብግንቦት ሸውዓተ ዝፍለጥ ተቓዋሚ ውድብ ብሓባር ክሰርሑ ኣብ ዘኽእሎም ባይታ ንምዝርራብ ኣብ ከተማ ባጽዕ ፍሉይ ኣኼባ ከካይዱ ምቕናዮም ተሓቢሩ።

 

መብጽዓ ለካቲትን ናይ ደምህትን ካልኦት ኦሮሞን ኣምሓርኛን መደባት ኣብ ኣስመራ ፎርቶ ብዝመደበሩ ብቴሌቪዥን ኤርትራን ድምጺ ሓፋሽ ኤርትራን ክፍኖ ከምዝጸንሐ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ እዚ ድሮ ንምትግባሩ ዝስርሓሉ ዘሎ ሕብረት ሜድያ ናይተን ኣብ ኤርትራ ዝመደበረን ተቓወምቲ ውድባት እንተተዓዊቱ ከኣ እቲ ናይ ኤሪ ቲቪ ደው ኢሉ ብመንገዲ’ታ ኣብ ወጻኢ ዝተደኮነት ሬድዮን ቴሌቪዥንን ‘ኢሳት’ ጥራይ ክፍኖ’ዩ።

ኢሳት ብመንግስቲ ኤርትራ ገዚፍ ሓገዝ ከምዝግበረሉ’ዩ ዝንገር።

ጎኒ ጎኒ’ቲ ብመንግስቲ ኤርትራ ተማእኪሉ ከተማ ባጽዕ ዝተኻየደ ኣብ ሕብረት ሜድያ ዘተኮረ ኣኼባ ተቓወምቲ ኢትዮጵያ፣ ንኣባላት ሜድያ ናይቲ ብግንቦት ሸውዓተ ዝውነን ኢሳትን፣ ብደሞክራስያዊ ህዝቢ ትግራይ ደምህት ዝውነን መብጽዓ ለካቲትን ኣብ ምቕራጽን ምቅንባርን ቪድዮ፣ ምምእራር ዜናን ካልእን ምስ ድምጽን ስእልን ዝተተሓሓዘ ስልጠናታት’ውን ከምዝተዋህቦም እቲ ዝበጽሓና ዜና ኣፍሊጡ።

ኣብ ኤርትራ ዝርከባ ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ሓደ ወትሃደራዊ ጽላል ክጥርነፋ ብመንግስቲ ኤርትራ ድፍኢት ይግበረለን ከምዘሎ ኣብ ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ዜና ሬድዮ ኤረና ምቕራቡ ዝዝከር’ዩ።

=====================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0