የመን ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ጽኑዕ ሓለዋ ተካይድ። ምጥሓል ኢትዮጵያን ስደተኛታት ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ይቕጽል

የመን ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ጽኑዕ ሓለዋ ተካይድ። ምጥሓል ኢትዮጵያን ስደተኛታት ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ይቕጽል

Radio Erena: 30 December 2014

24ethio

ብሰንኪ ጸጥታዊ ሃጓፍ ሃገራዊ ድሕነታ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ዝርከብ የመን፣ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ጽኑዕ ሓለዋ ክካየድ ኣዚዛ።

ሚኒስተር ውስጣዊ ጉዳያት የመን፣ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ብገማግም ቀይሕ ባሕሪ ብፍላይ ካብ ሶማል ናብ የመን ዝኣቱ መንነቶም ዘይተፈልጠ ሰባት፣ ኣብ የመን ናይ ሽበራ ስግኣት ክፈጥሩ ከምዝኽእሉ ብምጥቃስ፣ ሓይሊ ባሕሪ እታ ሃገር ኣብ ጽኑዕ ሓለዋ ተዋፊሩ ምህላዉ ኣፍሊጡ።

ብመንገዲ ቀይሕ ባሕሪ፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ኣማኢት ስደተኛታት ናብ የመን ከምዝኣትዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ምስዞም ስደተኛታት ሽበራውያን ጉጅለታት ናብታ ሃገር ከይኣትዉ ዝብል ስግኣት ከምዘሎ’ዩ መንግስቲ የመን ዝጠቕስ።

 

መብዛሕቶም ዜጋታት ሶማልን ኢትዮጵያን ዝኾኑ ልዕሊ 61 ሽሕ ስደተኛታት ኣብዚ ዓመት’ዚ ናብ የመን ከምዝኣተዉ ጸብጻብ ኣህጉራዊ ማሕበር ስደተኛታት (IOM ) ይሕብር።

ኣማኢት ካብዞም ስደተኛታት ኤርትራውያን ኮይኖም፣ ኣብ ሰንዓ ጎደና ጣይዝ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከምዝርከቡ ብተደጋጋሚ እዋን ተሓቢሩ’ዩ።

የመን፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ከቢድ ጸጥታዊ ሓደጋ ካብ ዝርከባ ሃገራት ሓንቲ ኮይና፣ ሓያሎ ሃገራት ምዕራብ ዜጋታተን ናብታ ሃገር ከይገሹ ጽኑዕ መጠንቐቕታታት ይህባ ኣለዋ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ብንእሽቶ ጃልባ ናብ የመን ንምዝጋር ዝፈተኑ 24 ኢትዮጵያን ስደተኛታት ትማሊ ሰኑይ 29 ታሕሳስ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ከምዝጠሓሉ ሚኒስትሪ ውስጥእዊ ጉዳያት እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

====================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0