ኣብ ኤርትራ ዝመደበሮም ተቓወምቲ ኢትዮጵያ ስሙር ግንባር መስሪቶም

ኣብ ኤርትራ ዝመደበሮም ተቓወምቲ ኢትዮጵያ ስሙር ግንባር መስሪቶም

Radio Erena: 09 September 2015

MOla

ኣብ ኤርትራ ዝመደበሮም ዕጡቓት ተቓወምቲ ሓይልታት ኢትዮጵያ ስሙር ግንባር መስሪቶም።

መንግስቲ ኤርትራ ነዞም ኣብ ውሽጢ መሬቱ ዝርከቡ ኣርባዕተ ዕጡቓት ተቓወምቲ ሓይልታት ማለት ግንቦት ሸውዓተ፣ ግንባር ሓርበኛታት ህዝቢ ኢትዮጵያ፣ ደሞክራስያዊ ምንቕስቓስ ህዝቢ ትግራይን ግንባር ሓርነት ኦሮሞን ብምውህሃድ ስሙር ግንባር ንምፍጣር ድፍኢት ክግበረሎም ከምዝጸንሐ ብተደጋጋሚ እዋን ተጠቒሱ’ዩ።

ግንቦት ሸውዓተን ግንባር ሓርበኛታት ህዝቢ ኢትዮጵያን ኣቐዲሞም ከምዝሓበሩ ከፍልጡ እንከለዉ፣ ድሕሪ ናይ ኣዋርሕ ግዜ ድማ ግንባር ሓርነት ኦሮሞን -ኦነግን ደሞክርስያዊ ምንቕስቓስ ህዝቢ ትግራይ- ደምህትን ናብቲ ስሙር ግንባር ከምዝተጸንበሩ እቶም ተቓወምቲ ሓይልታት ካብ ኣስመራ ዝዘርግሕዎ ሓበሬታ ከረጋግጽ ክኢሉ ኣሎ።

 

ግንባር ሓርበኛታት ህዝቢ ኢትዮጵያን ግንባር ሓርነት ኦሮሞ – ኦነግን፣ ብሰንኪ ውሽጣዊ ምግምማዕ ወትሃደራዊ ጸብለልታ ክውንንኑ ብዘይምኽኣሎም፣ ጠመተ መንግስቲ ኤርትራ ናብ ደሚህትን ግንቦት ሸውዓተ ኮይኑ’ዩ ጸኒሑ።

ካልኦት ንኣሽቱ ተቓወምቲ ውድባት’ውን ኣብዚ ስሙር ግንባር’ዚ ንምጽንባረን ጻዕርታት ይካየድ ምህላዉ’ዩ ዝግለጽ።

መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ነቲ ብዶብ ኣሳቢቦም ዝወልዕዎ ኵናት፣ ብስምምዕ ኣልጀርስ ኣብ 2002 ደው ክብል እኳ እንተኸኣለ፣ ተቓወምቲ ሓድሕድ ብምዕጣቃ ናይ ውክልና ኵናት ንምክያድ ከምዝሕልኑ ይፍለጥ።

እንተኾነ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘዕጥቖም ዘሎ ተቓወምቲ ኤርትራ ማዕረ’ቶም መንግስቲ ኤርትራ ዘዕጥቖም ዘለዉ ተቓወምቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ኤርትራ ጽልዋ ክፈጥሩ ከምዘይክኣሉ ሓያሎ ወገናት ይትንትኑ።

ብሰንኪ’ዚ ክልቲኦም መንግስታት ዝሰርሕሉ ዘለዉ ተቓወምቲ ሓድሕድ ናይ ምሕብሓብ ተግባራት፣ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ጎረባብቲ ሃገራት ዳግም ኵናት ከይውላዕ ዝሰግኡ ሓያሎ ወገናት ኣለዉ።
======================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0