ኣብ ኤርትራ ወተሃደራዊ ታዕሊም ክገብሩ ዝጸንሑ ሶማላውያን፣ ኣብዚ ዝቕጽል ሳምንታት ናብ ዓዶም ክምለሱ’ዮም

Radio Erena: Friday, 04 April 2021

ኣብ ኤርትራ ወተሃደራዊ ታዕሊም ክገብሩ ዝጸንሑ ሶማላውያን መንእሰያት፣ ኣብዚ ዝቕጽል ሳምንታት ናብ ዓዶም ክምለሱ ምዃኖም፣ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።
ማዕከን ዜና ጋሮወ ንምንጭታቱ ብምጥቃስ ኣብ ዘመሓላለፎ ሓበሬታ፣ እቶም ኣብ ኤርትራ ዝሰልጠኑ ወተሃደራት፣ ኣብ ዝተፈላለያ ኣሃዱታት ሰራዊት ሃገር ክጽምበሩ ምዃኖም ኣመልኪቱ። እንተኾነ ንወርሓዊ ክፍሊቶም ብዝምልከት ዝኾነ ዝተዋህበ ሓበሬታ ከምዘየለ ገሊጹ።
ከምዝፍለጥ ዝበዝሐ ኣብ ምኽባር ጸጥታ ተዋፊሩ ዘሎ ሓይሊን ሰራዊት ሃገርን፣ ብኣህጉራዊያን መሻርኽቲ መንግስቲ ሶማል እዮም ዝኽፈሉ።
ናይ’ዞም ኣብ ኤርትራ ዝሰልጠኑ ሶማላውያን መንእሰያት ፍሉይ ዝገብሮ፣ ዘይከምቶም ቅድሚ ሕጂ ዝሰልጠኑ፣ ብምስጢር ተታሒዙ ምጽንሑ እዩ። ከምኡ ስለዝኾነ ከኣ ቁጽሮም እውን ብልክዕ ክፍለጥ ከምዘይተኻእለ፣ ምንጭታት ዜና ሶማል የመልክቱ።
ወተሃደራት ሶማል፣ ምስ ሰራዊት ኤርትራ ተጸምቢሮም ኣብ ትግራይ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ይሳተፉ ኣለዉ፣ ተባሂሉ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ድሕሪ ዝወጸ ሓበሬታ’ዩ፣ ምስጢር ናይቲ ወተሃደራዊ ታዕሊም ንቃልዕ ከምዝወጽእ ኮይኑ።
ኣብ ስነስርዓት ምምራቕ እቶም ተዓለምቲ፣ ሰበስልጣን መንግስቲ ሶማል ክርከቡ ትጽቢት ኣሎ። ፕረዚደንት ዓብዱላሂ ፋርማጆ፣ ናብ ኤርትራ ኣብ ዘካየዶ ዑደት፣ ነቶም ተዓለምቲ በጺሑዎም ከምዝነበረ ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት ይጠቕሱ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0