”ምውጻእ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ፣ ውጽኢቱ፣ ኣንጻር’ቲ ትጽቢት ዝግበረሉ ክኸውን ይኽእል’ዩ” ኣይ.ሲ.ጂ.

Radio Erena: Friday, 04 April 2021

ምውጻእ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ፣ ውጽኢቱ፣ ኣንጻር’ቲ ትጽቢት ዝግበረሉ ክኸውን ከምዝኽእል ተገሊጹ።
ኣህጉራዊ ምክትታል ቅልውላው ነዚ ብዝምልከት ኣብ ዘውጸኦ ሓጺር መግለጺ፣ ምውጻእ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ፣ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ልዕሊ መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ንዝገብሮ ዘሎ ጸቕጢ ዘፋኹስ እኳ እንተኾነ፣ ኣብቲ ዞባ ተፈጢሩ ንዘሎ ሃዋሁ ግና ክቕይሮ ከምዝኽእል ኣተንቢሁ።
ኣይ.ሲ.ጂ. ኣብ መግለጺኡ፣ ሰራዊት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ደገፍ ሰራዊት ኤርትራ እንተዘይብሉ፣ ህወሓት ተመሊሱ ንመላእ ትግራይ ክቆጻጸር ርሒብ ዕድል ዝኸፍት ከምዝኸውን የመልክት።
ኣብዚ እዋን’ዚ ህወሓት ዓጢቑዎ ዘሎ ኣጽዋር፣ ካብ ፈኮስቲ ብረት ዘይሓልፍ ብምዃኑ፣ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ብቐሊሉ ክንቀሳቐስ ኣኽኢሉዎ ከምዘሎ’ዩ ዝግለጽ።
ዝበዝሐ’ቲ ህወሓት፣ ካብ ሰራዊት ፈደራል ዝመንዘዖ ከበድቲ ብረትን ታንክታትን፣ ብናይ ነፈርቲ መጥቃዕቲ ከምዝዓነወ ዝገለጸ ኣይ.ሲ.ጂ.፣ብኣንጻሩ ናብቲ ቃልሲ ዝውሕዙ ዘለዉ መንእሰያት ትግራይ ቁጽሮም እንዳዛየደ ይመጽእ ኣሎ ኢሉ።
ቀንዲ ምኽንያት ናይዚ ከኣ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ወሪዱ ዝበሃል ዘሎ ምግሃስ መሰላትን፣ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን፣ መንእሰያት ናብ ህወሓት ከምዝጽምበሩ ይገብር ከምዘሎ’ዩ ዝገልጽ።
ወሃብ ቃል ህወሓት ጌታቸው ረዳ ምስ ኣልጀዚራ ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ፣ ሰራዊት ኤርትራ ክወጽእ ዘይኮነ፣ ዝያዳ የጣጥሕ ኣሎ ክብል ከሲሱ እዩ። ንሱ ብተወሳኺ፣ ምጽናሕ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ፣ ንስርዓት ኣብይ ናይ ህላወ ሕቶ ስለዝኾነ፣ እቲ ምውጻእ ክትግበር’ዩ ዝብል እምነት ከምዘይብሉ ገሊጹ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0