ኣብ ኤርትራ ተታሒዙ ዝጸንሐ ወትሃደራዊ መኮነን ጅቡቲ ተለቒቑ

ኣብ ኤርትራ ተታሒዙ ዝጸንሐ ወትሃደራዊ መኮነን ጅቡቲ ተለቒቑ

Radio Erena: 18 September, 2014

Djib

ካብ 26 ሓምለ ኣትሒዙ ኣብ ኤርትራ ኣብ ቀይዲ ዝጸንሐ ወትሃደራዊ መኮነን ጅቡቲ ብሰንበት 14 መስከረም ከምዝተለቀ፣ ኣገልግሎት ዜና ቻይና -ሺንሁዋ ኣረጋጊጹ።።

እቲ ኮርፖራል ኣሕመድ ዓብደላ ከሚል ዝተባህለ ኣባል ሰራዊት ጅቡቲ፣ ንኽፍታሕ ቀጠር ብዝልዓለ ክትደፍኣሉ ከምዝጸንሐት’ውን እቲ ሺንሁዋ ጠቒሱ።

ኮርፖራል ኣሕመድ ዓብደላ ካሊል ንወትሃደራዊ ልኡኽ ቀጠር ብምስናይ ናብቲ ምስ ኤርትራ ዘሰሓሕብ ዘሎ ከባቢታት ድሕሪ ምእታዉ’ዩ፣ ብኤርትራ ተታሒዙ።

ሚኒስተር ምክልኻል ጅቡቲ ብ13 ነሓሰ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ እቲ ኣባል ሰራዊት ብህጹጽ ክፍታሕ ዘቕረቦ ጻውዒት ከይተተግበር ድሕሪ ምጽናሕ’ዩ ብናይ ቀጠር ጻዕሪ ድሕሪ ድሕሪ ወርሕን ክልተ ቕነን ዝልቐቕ ዘሎ።

 

ብ 7 መስከረም ኣብ ካይሮ ዝተጋብአ ኣኼባ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ማሕበር ሓገራት ዓረብ’ውን፣ ኤርትራ ነቲ ንወትሃደራዊ ተዓዛቢ ቀጠር ኣሰንዩ ዝንቀሳቐስ ዝነበረ ወትሃደራዊ መኮነን ጅቡቲ ምቕያዳ ኮኒኑ’ዩ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ብዛዕባ ምትሓዝ ይኹን ምልቃቕ እዚ ወትሃደራዊ መኮነን ጅቡቲ ዝኾነ ሓበሬታ ኣይሃበን።

ጅቡቲ ብዘይካ’ዚ፣ ኣብቲ ኣብ 2008 ኣብ ከባቢታት ዱሜራ ኣብ ዝተኻየደ ኵናት ብኤርትራ ዝተማረኹ ዜጋታት ደሃይ ከምዘይብላን’ያ ትወቕስ።

ጅቡቲ ዝማረኸቶም 19 ኤርትራውያን ድማ ከም ግብረ መልሲ፣ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ብዘይዝኾነ መሰል ሒዛቶም ከምዘላ ብተደጋጋሚ እዋን ተገሊጹ’ዩ።

ቐጠር፣ ነቲ ኣብ መንግስቲ ኤርትራን ጅቡትን ዝተወልዐ ኵናት 2008 ንምሽምጋል ተበግሶ ካብ እትወስድን ኣብቲ ዘሰሕእሕብ ከባቢታት ድማ ተዕእዛቢ ሰራዊት ካብ እተዋፍርን ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ሽዱሽተ ዓመቱ ሓሊፉ ውጽኢቱ ክፍለጥ ኣይተኻእለን።

======================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0