ኣብ ኤርትራ ምእሳር ላዕለዎት ሓለፍቲ ይቕጽል

ምስቲ ብሰኑይ 21 ጥሪ ኣብ ከባቢ ፎርቶ ዝተኻየደ ፍጻሜ ብዝተሓሓዝ ሓላፊ ውድባዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ ዓብደላ ጃብር፣ ኣምሓዳሪ ዞባ ደቡብ ኣቶ ሙስጦፎ ኑርሑሴን፣ ኮሎኔል ሳልሕ ዑስማንን ኮሎኔል ስዒድ ዓሊን ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ሬድዮ ኤረና ኣረጋጊጻ።

    ብዘይካ’ዚ’ውን ሚኒስተር ሃብቲ ማዕድን ኣቶ ኣሕመድ ሓጅ ዓሊ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተወ ይግለጽ እኳ እንተሎ፣ ሬድዮ ኤረና ዛጊት ምሉእ ብምሉእ ከተረጋግጾ ኣይከኣለንት።

    ኣቐዲሙ ክግለጽ ዝጸንሐ፣ ብርጋዴር ጀነራል ኣማኑኤል ሃይለ፣ ሃንጀማ፣ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ዝብል ሓበሬታ ግና፣ እቲ ጀነራል ካብ ስራሕ ደስኪሉ እኳ እንተሎ ዛጊት ኣብ ቀይዲ ከምዘይኣተወ ተፈሊጡ።

    ብርክት ዝበሉ ካብ ሜጀር ክሳብ ሌተናንት ኮለነል ማዕረግ ዘለዎም ኣዘዝቲ ሰራዊት’ውን ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተው ይግለጽ ኣሎ። ዝተረጋገጸ ሓበሬታ ኣብ ዝረኸብናሉ ድማ ናብ ሰማዕቲ ከነብሎ ኢና።

COMMENTS

WORDPRESS: 0