‘ኣብ ኤርትራ፣ 86 ሱዳናውያን ስደተኛታት ጥራይ’ዮም ዘለዉ።’

Radio Erena: 17 June 2022

ልዕሊ 800 ሽሕ ሱዳናውያን ስደተኛታት ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ይነብሩ ምህላዎም ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።

ጠቕላላ ብዝሒ ናይቶም ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ዘለዉ ሱዳናውያን ስደተኛታት 822,825 ምዃኑ ዝመልከተ UNHCR፣ 388,550 ካብኣቶም ኣብ ዞባ ዳርፉር ካብ ዝተወልዐ ግጭት ሃዲሞም ኣብ ቻድ ዝርከቡ ‘ዮም ክብል ኣስሚርሉ።

ብዙሓት ካብቶም ኣብ ቻድ ዝርከቡ ሱዳናውያን ስደተኛታት፣ ኣብ 2003 ኣብ ዳርፉር ግጭት ካብ ዝተወልዓሉ እዋን ኣትሒዞም ዝመጹ’ዮም።

ደቡብ ሱዳን ብወገና፣ 311,837 ሱዳናውያን ከተዕቁብ እንከላ፣ ኣብ ግብጺ 56,100 ኣብ ኢትዮጵያ ድማ 47,179 ሱዳናውያን፣ ኣብ ትሕቲ ጽላል ሕቡራት ሃገራት ተዓቝቦም ይርከቡ።

ብመንገዲ ማእከላይ ባሕሪ ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ንምስጋር ዝውጥኑ 18,675 ሱዳናውያን ኣብ ሊብያ ክህልዉ እንከለዉ፣ ማእከላይ ሪፖብሊክ ኣፍሪቃ ብወገና ን395 ሱዳናውያን ተቐቢላ።

ካብ ጎረባብቲ ሃገራት እታ ዝወሓደ ሱዳናውያን ኣዕቝባ ዘላ ሃገር ኤርትራ ክትከውን እንከላ፣ ብዝሒ ናይቶም ኣብ ትሕቲ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ዝተመዝገቡ 89 ጥራይ ምዃኑ ተጠቒሱ።

ብኣንጻር እዚ፣ ናብ ሱዳን ናይ ዝወሓዙ ብዝሒ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ብኣማኢት ኣሽሓት ከምዝበጽሕ ይፍለጥ።

ስእሊ፣- UNHCR ስደተኛታት ሱዳን ኣብ ቻድ
===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0