ኣብ ኤርትራ፣ ዞባ ማእከል፣ ሕማም ሽኮርያ ብ43% ከምዝወሰኸ ሚኒስትሪ ጥዕና ኣፍሊጡ

Radio Erena: 17 January 2023

ኣብ ኤርትራ፣ ዞባ ማእከል ኣብ ዝተኻየደ መጽናዕቲ፣ ሕማም ሽኮርያ ብ43% ከምዝወሰኸ ንጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ናይቲ ዞባ ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ኤርትራ ሓቢሩ።

እቲ ጨንፈር ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ ኣብቲ ዞባ ቅምሶኣዊ ተፍትሽ፣ ጸቕጢ ደም’ውን ብ18% ከምዝወሰኸ ኣመልኪቱ።

ኣብቲ ብ10ን 11ን ጥሪ ዝቐረበ ገምጋም ኩነታት ጥዕና ዞባ ማእከል፣ ጠንቂ ልዑል ወሰኽ ሕማም ሽኮርያን ጸቕጢ ደምን እንታይ ምዃኑ፣ ኣገልግሎት ዜና ኤርትራ ኣይተጠቕሶን።

እዚ ምስ ኩነታት መነባብሮ፣ ኣመጋግባን ተወርሶን ዝተሓሓዝ ሕማማት፣ ብደረጃ ዓለም ብልዑል ናህሪ እናዛየደ ይመጽእ ከምዘሎ’ዩ ውድብ ጥዕና ዓለም ዘጠንቅቕ።

ኣብ 1980፣ ብዝሒ ሽኮርያ ዘለዎም ሰባት ኣስታት 108 ሚልዮን ከምዝነበረ ዝገልጽ ውድብ ጥዕና ዓለም፣ ኣብ 2014 እቲ ኣሃዝ ናብ 422 ሚልዮን ከምዝዓረገ የመልክት።

ብመሰረት ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ማእከል ዘቕረቦ ገምጋም፣ ኣብ ኤርትራ ከም ሽኮርያን ጸቕጢ ደምን ዝኣመሰለ ሕማማት ብልዑል መጠን እኳ እንተወሰኸ፣ ከም መልከፍቲ ኤችኤቪ ኤይድስ ዝኣመሰለ ሕማማት ግና ብኣንጻሩ ብልዑል መጠን’ዩ ቀኒሱ።

መልከፍቲ ኤችኣይቪ ኤይድስ ኣብ ዞባ ማእከል፣ ኣብዚ ሓሙሽተ ዓመታት ብ64% ከምዝጎደለ ኣብቲ ጸብጻብ ተዘርዚሩ።
=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0