ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ ዝተኻየደ ውግእ ኣስታት 600 ሽሕ ሰባት ከምዝተቐትሉ፣ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ገሊጹ

Radio Erena: 17 January 2023

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ፣ ንኣስታት ክልተ ዓመታት ኣብ ዝተኻየደ ውግእ፣ ኣስታት 600 ሽሕ ሰባት ከምዝተቐትሉ፣ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብቲ ዞባ፣ ኦሉሶጉን ኦባሳንጆ ገሊጹ።

እቲ ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር፣ ምስ ፋይናንሻል ታይምስ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ፣ እቲ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ህዝቢ ኣህሊቑ ዝበሎ ኵናት፣ ኣብ ዓለምና ኣብዚ እዋን’ዚ ካብ ዘለዉ ውግኣት እቲ ዝኸፍአ’ዩ ክብል ገሊጽዎ።

ንሱ፣ ሳላ’ቲ ብመንጎኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተኸተመ ስምምዕ፣ መዓልታዊ ከጋጥም ዝኽእል ንዝነበረ ሞት ኣስታት ሓደ ሽሕ ሰባት ክግታእ ከምዝኸኣለ’ዩ ጠቒሱ።

ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን፣ ብ2 ሕዳር 2022፣ ኣብ ዝተኸተመ ስምምዕ፣ መራሒ ናይታ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝተመዘዘት ሸምጋሊት ጉጅለ ዝኾነ ኦባሳንጆ፣ ኣቕሪብዎ ዘሎ ኣሃዝ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያውያን ኣዛራራቢ ኮይኑ ኣሎ።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ብወገኑ፣ ብዝሒ ግዳያት እቲ ኵናት ኣብዚ እዋን’ዚ ብልክዕ ክፍለጥ ከምዘይክእልን፣ ንሓዋሩ’ውን ከይተፈልጠ ክዕበጥ ከምዝኽእልን ኣሚቱ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0