“ኣብ ኤርትራ፣ ዋጋ ጸባን ካልኦት መሰረታውያን መግብታትን ብዝተዓጻጸፈ ምንሃሩ ተሓታቲ መንግስቲ እምበር ነጋዶ ኣይኮኑን”

“ኣብ ኤርትራ፣ ዋጋ ጸባን ካልኦት መሰረታውያን መግብታትን ብዝተዓጻጸፈ ምንሃሩ ተሓታቲ መንግስቲ እምበር ነጋዶ ኣይኮኑን”

Radio Erena: February 5, 2014

Milk eri

ኣብ ኤርትራ ዋጋታት መሰረታዊ ነገራት ብዝተዓጻጸፈ ንሂርሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ዋጋ ሓደ ሊትሮ ጸባ ክሳብ 50 ናቕፋ ዝሽየጠሉ ኩነታት በጺሑ ምህላዉ ምንጭታትና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

ጠንቒ እዚ ድማ ነጋዶ ዘይኮኑ ብመሰረቱ ኣብ ኤርትራ ዋሕዲ እኹል ጸባ ስለዘሎ ምዃኑ’ዩ እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣረዲኦም ።

ዋጋ ናይ ሓደ ሊትሮ ጸባ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመት 25 ናቕፋ እኳ እንተነበረ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ዋግኡ ብዕጽፊ ብምዝያድ ናብ ኣስታት 50 ናቕፋ በጺሑ ይርከብ።

 

እንተኾነ መንግስቲ ነቲ ክቖጻጸሮ ዘይክኣለ ዋሕዲ፣ እኹል ጸባ ንምፍራይ ዝሕግዝ ኣገባባት ብምትእትታው ክፈትሖ ኣብ ክንዲ ዝፍትን፣ ንነጋዶ፣ ወነንቲ ኣብያተ ሸቐጥን ድኳናትን ጥራይ ክውንጅል ይርአ ምህላዉ ዝፍለጥ’ዩ።

ኣብ ኤርትራ፣ ዋጋ ጸባን ካልኦት መሰረታውያን መግብታትን ብዝተዓጻጸፈ ምንሃሩ ድማ ተሓታቲ መንግስቲ ደኣ’ምበር ነጋዶ ከምዘይኮኑበብእዋኑ ክጥቐስ ጸኒሑ’ዩ።

እዚ ኣብ ጸባ ዝርአ ዘሎ ዝተጋነነ ዋጋታት፣ ኣብ ስጋ፣ ሽኮር፣ ዘይትን ካልእ ህዝቢ ንምዝንጋዕ ካብ ዘዘውትሮም ከም ቢራን ኮካ ኮላን’ውን ዝርአ ኮይኑ ህዝቢ ብቀጻሊ ካብ ዘማርረሉ’ዩ።

እዚ’ውን ኣብ ዕዳጋ እንተረረኺቡ ምዃኑ እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ የመልክት።

===============================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0