ኤርትራ፣ ብስም ኣባላት ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ዝፍጸም ዝምታን ክትራንን ገኒኑ

Radio Erena: 19 April 2017

Nakfa weyal

ኣባላት ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ኢና ብዝብሉ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝፍጸም ክትራንን ዝምታን እናገነነ ይመጽእ ከምዘሎ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

ብመሰረት እቶም ምንጭታት ዝልኣኹልና ሓበሬታ፣ ካብ ወጻኢ ሃገራት ገንዘን ንዝተሓወለሎም ሰባት እቶም ቀንዲ ግዳያት ናይዚ ብስም ኣባላት ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ዝፍጸም ዘሎ ክትራንን ዝምታን ይኾኑ ከምዘለዉ ኣስሚሮም።

ንሳቶም ነቶም ካብ ወጻኢ ሃገራት ገንዘብ ንዝተሓወለሎም ሰባት ብምክትታል፣ እቲ ዝተሓወለሎም ገንዘብ ብምሉእ ወይ ፍርቁ እንተዘየረኪቦሞም ከእስርዎም ምዃኖም ብምፍርራሕ’ዮም ዝዘርፍዎም ዘለዉ።

እዞም ብስም ኣባላት ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን፣ ኣብ ክትራንን ዝምታን ተዋፊሮም ዘለዉ ሰባት፣ ደቀን ብስግረዶን ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ንዝሰገሩ ስድራቤታት እናተኸታተሉ’ውን፣ ገንዘብ እንተዘይከፊሎሞም ከእስርዎም ምዃኖም ብምፍርራሕ ካብ ህዝቢ ገንዘብ ይምንዝዑ ምህላዎም እቲ ሓበሬታ ብተወስኺ የመልክት።

መብዛሕቶም እዞም ኣብ ዝምታን ክትራንን ተዋፊሮም ዘለዉ ሰባት፣ ኣባላት ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ክኾኑ ከምዝኽእሉ ዘነጸረ እቲ ሓበሬታ፣ ነዚ ኣብ ኤርትራ ፋሉል ከይዱ ዘሎ ምሕደራ እናተጠቕሙ፣ ኣባላት ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ዘይኮኑ ውልቀሰባት’ውን ኣብቲ ገበን ተሳተፍቲ ምዃኖም የረድእ።

ኣብ ምሕዋል ገንዘብ ዝተዋፈሩ ነጋዶ ምስዞም ብስም ኣባላት ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ዝምታን ክትራንን ዝፍጽሙ ዘለዉ ሰባት ሓበሬታ ኣብ ምሃብን ካልእን ይተሓባበሩ ከምዘለዉ’ውን ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ኣገንዚቦም።

ካብ ውሽጣዊ ተቓውሞታት ዝሰግአ መንግስቲ ኤርትራ፣ በብእዋኑ ዘሰልጥኖም ዘሎ ኣባላት ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ኣብ ፈቐድኡ ተዘርዮም ከምዘለዉ ዝፍለጥ’ዩ።

ኣባላት ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ከምኡ ድማ ኣዘዝቲ ሰራዊት እቶም ኣብ ከምዚ ዝተጠቕሰ ገበናትን ኣብ ኤርትራ ደረት ሓሊፍዎ ኣብ ዘሎ ብልሽውናን ዝሳተፉ ቀንዲ ተዋሳእቲ ምዃኖም ህዝቢ ብሰፊሑ ዝዛረበሉ’ዩ።

 

ስእሊ፣ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

===============================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0