የመን፣ ሄሊኮፕተር ወዲቓ ብምሕምሻሻ 12 ወትሃደራት ስዑዲ ዓረብ ሞይቶም

Radio Erena: 20 April 2017

Heli

ኣብ ምዕራባዊ የመን፣ ኣብ ወትሃደራዊ ስርሒት ዝነበረት ሄሊኮፕተር ብ18 መጋቢት ወዲቓ ብምሕምሻሻ መኮንናት ዝርከብዎም12 ወትሃደራት ስዑዲ ዓረብ ሞይቶም።

ንግስነት ስዒዲ ዓረብ ጠቕንቲ ምውዳቕ እታ ሄሊኮፕተር የጻርዮ ከምዘሎ እኳ እንተሓበረ፣ ካብ ናይ ወገን ኣሃዱታት ሰራዊት ብጌጋ ብዝተተኮላ ጸረ ነፈርቲ ከምዝተሃርመት ሚኒስተሪ ምክልኻል የመን ይጠቕስ።

እዚ ናብ የመን ኣብ ልዕሊ ዝወፈረ ሰራዊት ስዑዲ ዓረብ ዝኸበደ ሓደጋ ምዃኑ ዝተገልጸ ሞት 12 ወትሃደራት ዘስዓበ ምውዳቕ ሄሊኮፕተር፣ ሚኒስተር ምክልኻል ኣመሪካ ጄምስ ማቲስ ብዛዕባ ጸጥታ የመን ንምዝርራብ ናብ ሪያድ ኣብ ዝኣተወሉ እዋን’ዩ ኣጋጢሙ።

 

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0