ኣብ ኤርትራን ሱዳንን ዝተራእየ ዕስለ ኣንበጣ ኣብ ቁጽጽር ከምዝኣተወ ውድብ መግብን ሕርሻን ኣፍሊጡ

Radio Erena: 19 December 2016

Locu

ኣብ ገለ ክፋላት ኤርትራን ሱዳንን ዝተራእየ ዕስለ ኣንበጣ ንምቑጽጻሩ ከምዝተኻእለ ውድብ መግብን ሕርሻን (FAO) ኣፍሊጡ።

ንኩነታት ምስፍሕፋሕ ናይ ምድረ-በዳ ኣንበጣ ኣመልኪቱ ውድብ መግብን ሕርሻን ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፣ ክሳብ 2 ታሕሳስ ኣብ ዝነበረ ግዜ፣ ኣብ ሞሪታንያ፣ ሞሮኮን ኣልጀርያን ክሳብ ዶብ ማሊን ብዝሒ ዘለዎ ዕስለ ኣንበጣ ከምዝተራእየ ብምጥቃስ፣ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ዝርከብ ሃገራት ኤርትራ፣ ሱዳንን የመንን ከኣ ውሑድ ዝመጠኑ ዕስለ ኣንበጣ ከምዝነበረ ኣረጋጊጹ።

ኣብ ቅናት ሳሕለ ሰሃራ ኣብ ዝርከባ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝተራእየ ናይ ምድረ-በዳ ዕስለ ኣንበጣ ናብ ካልኦት ሃገራት ንኸየስፋሕፍሕ፣ እቲ ጻዕሪ ይቕጽል ከምዘሎ ዝሓበረ እቲ ኣህጉራዊ ትካል፣ ኣብ ገለ ክፋል ኤርትራን ሱዳንን ዝተራእየ ውሑድ ብዝሒ ዝነበሮ ዕስለ ኣንበጣ ግና ንምቁጽጻሩ ተኻኢሉ ከምዘሎ ኣነጺሩ።

ኣብ የመን ግና ብሰንኪ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ጸረ ኣንበጣ መድሃኒት ንምንጻግ ስለዘጸገመ፣ ነቲ ዕስለ ኣንበጣ ንምቁጽጻሩ ከምዘይተኻእለ ኣመልኪቱ።

ኣብ ከባቢታት ሽዕብ ዝተራእየ ዕስለ ኣንበጣ ኣብ ሓረስቶት ከቢድ ሻቖሎት ፈጢሩ ምንባሩ ሬድዮ ኤረና ኣብ ናይ 29 ሕዳር ፈነወና ምቅልሓ ይዝከር።

ሳላ ዝነበረ ጽቡቕ ክራማት፣ ህጡር እቶት ክጽበዩ ዝጸንሑ ሓረስቶ ሽዕብን ከባቢኣን፣ ዝተራእየ ዕስለ ኣንበጣ ከቢድ ሻቕሎት ከምዘሕደረሎም ብምጥቃስ፣ ምምሕዳርን ኣካላት ሚኒስትሪ ሕርሻን፣ ጸረ ኣንበጣ መድሃኒት ኣብ ምንጻግ ሓገዝ ክገብረሎም ህጹጽ ጻውዒት ከቕርቡ’ዮም ጸኒሖም።

ውድብ መግብን ሕርሻን ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ ከኣ፣ ምስ ኣካላት ሚኒስትሪ ሕርሻ ብምዃን ኣብ ዝገበሮ ጻዕሪ’ዩ ነቲ ኣብ ኤርትራን ሱዳን ዝተራእየ ንእሱ መጠን ዝነበሮ ዕስለ ኣንበጣ ክቖጻጸሮ ዝኸኣለ።

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0