ኣብ ኣፍሪቃ፣ ኣብ መደብ ክታበት ኮረና ቫይረስ ወይ ኮቫክስ ዘይተጸንበራ ሃገራት ኤርትራን ብሩንድን ጥራይ ተሪፈን

Radio Erena: 12 July 2021

ኣብ ኣፍሪቃ፣ ኣብ መደብ ክታበት ኮረና ቫይረስ ወይ ኮቫክስ ዘይተጸንበራ ሃገራት ኤርትራን ብሩንድን ጥራይ ተሪፈን።

ኣቐዲመን፣ ኣብቲ ብውድብ ጥዕና ዓለም ዝተማእከለ፣ ክታበት ጸረ ኮቪድ ብሓገዝ ናይ ምብጻሕ ናይ ‘ኮቫክስ’ ፕሮጀክት ዘይተጸንበራ ታንዛንያን ቻድን፣ ኣብቲ መደብ ክሕቖፋ ድሕሪ ምውሳነን’ዩ፣ ኣብ ኣፍሪቃ ክታበት ዘይጀመራ ሃገራት ክልተ ጥራይ ምዃነን ዝሕበር ዘሎ።

ክሳብ ዝሓለፈ ሰሙን፣ ካብ 215 ሃገራት ዓለም፣ ፈጺመን ክታበት ጸረ ኮቪድ ዘይጀመራ ሽዱሽተ ሃገራት፣ ኤርትራ፣ ብሩንዲ፣ ቻድ፣ ታንዛንያ፣ ሄይቲን ሰሜን ኮርያን’የን ጸኒሐን።

ኣብዚ እዋን’ዚ ግና እቲ ቁጽሪ ንኤርትራ ሓዊስካ ናብ ኣርባዕተ ወሪዱ ኣሎ።

ኣብ ኣተሓሕዛ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ብተሪር ክትንቀፍ ዝጸንሐት ታንዛንያ፣ ድሕሪ ሞት ፕረዚደንታ’ያ ምስ ውድብ ጥዕና ዓለም ብምትሕብባር፣ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ንምግታእ ብዕቱብ ክትሰርሕ ጀሚራ።

ንለበዳ ኮረና ቫይረስ ብሸለልትነት ከምዝሓዞ ዝተነቕፈ ፕረዚደንት ታንዛንያ ነበር፣ ጆን ማንግፉሊ፣ ኣብ 17 መጋቢት ብሰንኪ ኮቪድ ዘስዓቦ ሕልኽላኻት ጥዕና ከምዝሞተ ይግለጽ።

ብደረጃ ዓለም፣ ኣብ 215 ሃገራት ብድምር ልዕሊ 2.2 ቢልዮን ክታበታት ጸረ ኮረና ቫይረስ ክወሃብ እንከሎ፣ ድሕሪት ተሪፋ ንዘላ ኣፍሪቃ፣ ብክታበት ንምሕጋዛ ብዝወጸ መደብ ‘ኮቫክስ’፣ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ልዕሊ 520 ሚልዮን ክታበት ክትረክብ ትጽቢት ኣሎ።

ኣብ ኣፍሪቃ፣ ክታበት ጸረ ኮረና ቫይረስ ክረክብ ናይ ዝኸኣለ ብዝሒ ህዝቢ ብማእከላይ ገምጋም እቲ 0.3% ጥራይ’ዩ።

ውድብ ጥዕና ዓለም፣ ክታበት ክሽምታ ናብ ዘይክኣላ ሃገራት ኣፍሪቃን ካልኦት ድኻታት ሃገራትን፣ ብሓገዝ ንምብጻሕ፣ ካብ መሻርኽቲ ሃገራት ገዚፍ ምወላ ይሓትት እኳ እንተሎ፣ ኤርትራ እትርከበን ሒደት ሃገራት ግና ኣብቲ ብ’ኮቫክስ’ ዝፍለጥ ናይ ሓገዝ መደብ ንምእታው ዛሕልታት ከምዘርኣያ ይጠቕስ።
=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0