ኢትዮጵያ፣ ኣብ 10 ዞባታት ዝተኻየደ ምርጫ ክድገም ተወሲኑ

Radio Erena: 12 July 2021

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣብ 21 ሰነ ምርጫ ዝተኻየደሉ 10 ዞባታት፣ ክድገም ከምዝተወሰነ ንምርጫ ቦርድ ኢትዮጵያ ብምጥቃስ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

እቲ ኣብ ክልላት ኣምሓራ፣ ደቡብን ቤንሻንጉል ጉምዝን ኣብ ዝርከብ 10 ናይ ምርጫ ዞባታት ወይ ነቑጣታት ዝተኻየደ ምርጫ ክድገም ምዃኑ ዝግለጽ ዘሎ፣ ኣብ ስልጣን ዝርከብ ሰልፊ ብልጽግና ብዓብላሊ ድምጺ ከምዝተዓወተ ኣብ ዝንገረሉ ዘሎ እዋን’ዩ።

ብመሰረት እቲ ብቦርድ ምርጫ ዝተዋህበ ሓበሬታ፣ ኣብ ክልል ኣምሓራ፣ ኣብ ሓምሽተ ዞባታት ዝተኻየደ ምርጫ ወከልቲ ህዝቢ ክድገም፣ ኣብ ሓደ ካልኦ ዞባ ድማ ቁጽሪ ዝተዋህበ ድምጺ ደጊሙ ክቑጸር ክውሰን እንከሎ፣ ኣብ ክልል ደቡብ፣ ሰለስተ፣ ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ድማ ክልተ ዞባታት ብተመሳሳሊ እቲ ምርጫ ክድገም’ዩ።

ኣብ ድሬዳዋ ድማ ኣብ ሓደ ዞባ ዝተኻየደ ምርጫ፣ ዝተዋህበ ድምጺ ደጊሙ ክቑጸር’ዩ።

ብዘይካ’ዚ ብሰንኪ ጸጥታን ጌጋታት ሕትመት መድመጺ ወረቓቕቲ ኣብ ሓያሎ ክልላት ክካየድ ዝነበሮ ምርጫታት ክሳብ ወርሒ መስከረም ከምዝተሰጋገረ ኣቐዲሙ እቲ ቦርድ ኣፍሊጡ’ዩ።

ኣብ ወርሒ ሰነን መስከረምን ተኸፋፊሉ፣ ኣብ ክልተ እብረ ዝካየድ ምርጫ ኢትዮጵያ፣ ምሉእ ብምሉእ ክሳብ ዝዛዘም፣ ናይተን ምርጫ ዘይተኻየደለን ደጊሙ ምርጫ ዝካየደለንን ዞባታት መናብር ወከልቲ ህዝቢ፣ ጥርሑ ክጸንሕ’ዩ።

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ወርሒ ሰነ ንዝተኻየደ ገለ ክፋል እቲ ምርጫ፣ ወኪል ሕብረት ኣፍሪቃ ከምዝተኸታተሎ እኳ እንተተጠቕሰ፣ እዛ ኣብ ኵናት ትግራይን ናይ ብሄር ግጭታትን ተሸሚማ እትርከብ ሃገር ዘካየደቶ ምርጫ፣ ናጻ፣ ግሉጽን ርትዓውን ከምዘይከውን ዝተፈላለዩ ወገናት የመልክቱ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0