ኣብ ኣዲስ ኣበባ በዓል ኢረቻ ናብ ሰላማዊ ሰልፊ ተቐዪሩ።

Radio Erena: 02 October 2021

ኣብ ኢትዮጵያ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንቀዳማይ ሚኒስተር’ታ ሃገር ዝቃወም ሰላማዊ ሰልፊ ተኻዪዱ።
እቲ ብዕለት 2 ጥቅምቲ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ፣ ብብሄረ ኦሮሞ ዓመታዊ ዝካየድ በዓል ኢረቻ ተባሂሉ ዝፍለጥ መዓልቲ ንምክያድ ኣብ መንጎ ዝተኣከበ ህዝቢ እዩ ጀሚሩ ክብላ ማዕከናት ዜና ሓቢረን።
ነቲ በዓል ንምድማቕ ካብ ንግሆ ኣትሒዙ ዝተኣኻኸበ ህዝቢ፣ ስነስርዓት በዓል ምስ ዛዘመ፣ ንመራሒ’ታ ሃገር ዝቃወም ጭርሖታት ብምስማዕ እዩ ተጀሚሩ።
ሰልፈኛታት ኣብ ዘልዓልዉ ጭርሖታት፣ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝርከቡ ላዕለዎት ፖለቲከኛታት ኦሮሞ ናጻ ክወጹ ጸዊዖም። እቶም ሰልፈኛታት ብተወሳኺ፣ ደገፎም ንምንቅስቓስ ሓርነት ኦሮሞ፣ ከምኡ’ውን ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ዝቃወም ጭርሖታት ኣስሚዖም።
ፖሊስ’ታ ከተማ ቁጽሮም ብንጹር ዘይተሓበረ ሰልፈኛታት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዮም ኣለዉ። ኣብቲ ኣጋጣሚ ዝተጎድኡ ካልኦት ከኣ፣ ‘ዘውዲቱ’ ናብ ዝተባህለ ሆስፒታል ከምዝተወስዱ፣ ምንጭታት ዜና ኣመልኪቶም።
ወደብቲ’ቲ በዓል ሒደት መዓልታት ኣቐዲሞም ንህዝቢ ኣብ ዝሃቡዎ ምልክታ፣ ኣብ ቀጽሪ’ቲ በዓል ዝካየደሉ ቦታ ባንዴራ ኮነ ካልእ ፖለቲካዊ መልእኽቲ ዘሕልፍ ነገር ሒዞም ከይኣትዉ ኣጠንቂቖም እዮም።
ኣብዚ ንክልተ መዓልታት ዝኽበር በዓል ኢረቻ፣ ተወላዶ ኦሮሞ ዓመታዊ ኣብ ዝራኸቡሉ እዋን ፖለቲካዊ ስምዕታኦም ንኸመሓላልፉ፣ ከም ናይ መተኣኻኸቢ ዕድል ክጥቀምሉ ጸኒሖም’ዮም። እቲ በዓል ሰንበት እውን ካብ ኣዲስ ኣበባ 47 ኪሎሜትር ንደቡብ ርሒቓ ኣብ እትርከብ ከተማ ቢሾፍቱ ክቕጽል እዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0