ኣብ ኣመሪካ ዝርከቡ ኣይሁዳውያን ማሕበራትን ትካላትን፣ መንግስቲ እስራኤል ንዘውጸኦ ስደተኛታት ብዘይድሌቶም ናይ ምስጓግ መደብ ዘለዎም ተቓውሞ ገሊጾም

ኣብ ኣመሪካ ዝርከቡ ኣይሁዳውያን ማሕበራትን ትካላትን፣ መንግስቲ እስራኤል ንዘውጸኦ ስደተኛታት ብዘይድሌቶም ናይ ምስጓግ መደብ ዘለዎም ተቓውሞ ገሊጾም

Radio Erena: 03 December 2017

jewish societyኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝርከቡ ሓያሎ ኣይሁዳውያን ማሕበራትን ትካላትን፣ ነቲ መንግስቲ እስራኤል ዘውጸኦ ስደተኛታት ናብ ሃገራት ኣፍሪቃ ብዘይድሌቶም ናይ ምስጓግ መደብ ዘለዎም ተቓውሞ ገሊጾም።

እቲ 25 ማሕበራትን ናይ ውልቂ ትካላትን ዝሓቖፈ ጥርናፈ ዋሺንግተን ካብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈቱ ናብ ቀዳማይ ሚኒስተር በንያሚን ናታንያሁ ኣብ ዝለኣኾ ደብዳቤ፣ መንግስቲ እስራኤል ነቲ ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ብሓይሊ ናይ ምጥራዝ መስርሕ እንተካዪዱዎ፣ ናይ ዓሰርተታት ኣሽሓት ውልቀሰባት ህይወት ከዘናብል ምዃኑ ገሊጹ።

ኣብቲ ኣመሪካ ካብ ዝርከቡ ኣይሁዳውያን ትካላትን ማሕበራትን ዝወጸ ናይ ሓባር መግለጺ፣ ‘ከም ህዝቢ ሓደ እዋን ስደተኛታት ምንባርናን ኣብ መሬት እንዳማትና ዑቕባ ከምዝሓተትናን መጠን፣ ስደተኛታት ከነዕቁብ ፍሉይ ሓላፍነት ክስመዓና ይግባእ’፣ ብምባል ይምሕጸን።

እተን ኣብ ኣመሪካ ዝርከባ 25 ማሕበራትን ትካላትን፣ ምስ መንግስቲ እስራኤል ብምትሕብባር ዝሓሸ ፍታሕ ኣብ ምንዳይ ብሓባር ክሰርሓ ምዃነን እውን ቃል ኣትየን ኣለዋ።

ኣቐዲሙ ከምዝተገልጸ፣ ሩዋንዳ ካብ እስራኤል ንዝስጎጉ ኣስታት 10 ሽሕ ሓተቲ ዑቕባ ክትቅበል ኣብ ምዝርራብ ከምዘላ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ’ታ ሃገር ሉዊስ ሙሺኪዋቦ ኣፍሊጣ’ያ።

============================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0