ኣብ ካናዳዊ ትካል ዕደና ነቭሰን ገንዘቦም ኣዋፊሮም ዘለዉ ወነንቲ ብርኪ፣ ማሎም ካብቲ ትካል ክስሕቡ ጻውዒት ቀሪቡ

ኣብ ካናዳዊ ትካል ዕደና ነቭሰን ገንዘቦም ኣዋፊሮም ዘለዉ ወነንቲ ብርኪ፣ ማሎም ካብቲ ትካል ክስሕቡ ጻውዒት ቀሪቡ

Radio Erena: 03 December 2017

freedom unitedኣብ ካናዳዊ ትካል ዕደና ነቭሰን ገንዘቦም ኣዋፊሮም ዘለዉ ወነንቲ ብርኪ፣ ማሎም ካብቲ ትካል ክስሕቡ ጻውዒት ቀሪቡ።

‘ፍሪዶም ዩናይትድ’ ዝተባህለ ማሕበር፣ ‘ኣብ ኤርትራ ባርነት ደው ይበል’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭሮሖ ዘልዓሎ ፊርማታት ናይ ምእካብ ዘመተ፣ ኣብዚ ሒደት እዋናት ብዝሒ ዘለዎ ህዝቢ ከምዝተሳተፎ፣ ኣብ መርበብ ሓበሬትኡ ኣብ ዝዘርገሖ መግለጺ ኣነጺሩ።

ልዕሊ 60 ሽሕ ፌርማታት ከምዝኣከበ ዝገልጽ እቲ ማሕበር፣ ኣብ ኤርትራ ብግዱድ ዕስክርና ዝካየድ ዕደና ደው ክሳብ ዝብል ጻዕርታቱ ክቕጽል ምዃኑ’ዩ ዝገልጽ።

ኣብቲ ናይ ዕደና ስራሕ ተዋፊሮም ብዝነበሩ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ክሲ ተመስሪቱሉ ዘሎ ነቭሰን፣ እቲ ጉዳይ ኣብ ኤርትራ ክረአ ንዘቕረቦ ጠለብ ቤት ፍርዲ ብሪቲሽ ኮሎምቢያ ድሕሪ ምንጻጉ፣ ኣቓልቦ ሓያሎ ወነንቲ ብርኪ’ቲ ትካል ስሒቡ’ዩ።

እዚ ብፍሪደም ዩናይትድ ዝካየድ ዘሎ ዘመተ፣ ብፍላይ ነቶም ገዚፍ መጠን ዘለዎ ገንዘብ ኣብ ዕደና ነቭሰን ኣዋፊሮም ዘለዉ ትካላት፣ ንኩነታት ዕደና ኣብ ኤርትራን መስርሓቱን ዘብርህ ደብዳበታት ብምልኣኽ፣ ከምኡ’ውን ኣብ ትሕቲ ነቭሰን ናይ ሰርሑ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ንተመኩሮታቶም ዝገልጽ ሓጸርቲ መግለጺታት ብምሃብ፣ እቶም ኣውፈርቲ፣ ኤርትራውያን ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ብመልክዕ ባርነት ንኽሰርሑ የተባብዑ ምህላዎም ብምግላጽ’ዩ ዋኒኖም ክስሕቡ ዝሓትት ዘሎ።

ሰራሕተኛታት ናይ ምቑጻር ሓላፍነት ናይ መንግስቲ ኤርትራ’ዩ ብምባል ካናዳዊ ትካል ዕደና ነቭሰን ተሓታቲ ከምዘይኮነ ብተደጋጋሚ ዝገልጽ’ኳ እንተኾነ፣ እዚ ተጀሚሩ ዘሎ መስርሕ ፍርዲ ኣብ ዝዛዘመሉ፣ እቶም ብግዱድ ዕስክርና ኣብ ትሕቲ’ቲ ትካል ሰሪሕና ዝብሉ ካሕሳ ክወሃቦም ከምዝኽእል’ዩ ዝግለጽ።

================================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0