ኣብ ኣልጀርያ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ቅድድም ብሽክለታ ብዓወት ኤርትራዊ መኽሰብ ደበሳይ ፈሊሙ

ኣብ ኣልጀርያ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ቅድድም ብሽክለታ ብዓወት ኤርትራዊ መኽሰብ ደበሳይ ፈሊሙ

Radio Erena : 13 March 2015

meks

ኣብ ኣልጀርያ ዝካየድ፡ ኣህጉራዊ ቅድድም ብሽክለታ ዙር ብሊዳ፡ ትማሊ ሓሙስ 12 መጋቢት፡ ብዓወት ተቐዳዳማይ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ መኽሰብ ደበሳይ ፈሊሙ።

ኣብቲ ትማሊ 140.8 ኪሎ ሜትር ርሕቐት ንምሽፋን ዝተገብረ ውድድር፡ ተዓዋቲ ዙር ኣልጀርያ 2014 መኽሰብ ደበሳይ ጸወታ ኣብ ምጅማሩ፡ 10 ኣልጀርያውያን ምስ ዝርከብዎም 11 ተቐዳደምቲ ዝሃደመ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ሰዓት 45 ኪሎ ሜትር እናተጓዓዙ ከኣ፡ ናይ 1 ደቒቕን 20 ካልኢታትን ፍልልይ ኣንጸፉ።

 

ኣብ ዓቐብ ድጀባብራ መኽሰብ ደበሳይ ምስ ሩዋንዳዊ ጃንቨር ሃዲን ኣልጀርያዊ ዓድል ባርባሪን ካብ’ታ መራሒት ጉጅለ ሃዲሞም ንቕድሚት ተወንጨፉ።

ጸወታ ክዛዘም 12 ኪሎ ሜትር ምስ ተረፎ መኽሰብ ደበሳይ ምስኡ ንዝሃደሙ ተቐዳደምቲ ራሕሪሕዎም ክሳብ ዝዕዘር፡ ሰለሰቲኦም ብሓባር ተጓዓዙ።

ኣብ ኣጋ ምዝዛም ናይ’ቲ ቅድድም፡ ኣልጀርያዊ ባርባሪ ንመኽሰብ ስለ ዝተጸንበሮ፡ ክልቲኦም ብሓባር ቅጽበታዊ ውድድር ኣካየዱ።

መኽሰብ ደበሳይ ከኣ፡ ኣቐዲሙ መዛዘሚ ሕንጻጽ ብምርጋጽ ብ3 ሰዓታትን 35 ደቒቕን 4 ካልኢታትን ውድድሩ ብዓወት ፈጸመ።

ሩዋንዳዊ ሃዲ ድማ፡ 36 ካልኢታት ድሒሩ ሳልሳይ ወጺኡ።

መኽሰብ ደበሳይ፡ በዚ ናይ ትማሊ ዓወት ተደሪኹ፡ 3 ማልያታት፡ ማለት ማልያ ዕውት ሓፈሻዊ ናይ ግዜ ውድድር፡ ማልያ ዕዉት ናይ ነጥቢ (ቅጽበታዊ) ውድድርን ማልያ ኣንበሳ ዓቐብን፡ ክለብስ በቒዑ ኣሎ።

=========================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0