ሰራዊት የመን 53 ኢትዮጵያን ስደተኛታት ቀይዱ

ሰራዊት የመን 53 ኢትዮጵያን ስደተኛታት ቀይዱ

Radio Erena : 13 March 2015

ethiinyem

ሰራዊት የመን ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብታ ሃገር ዝኣትዉ 53 ኢትዮጵያን ስደተኛታት ኣብ ከምዝቐየደ ጋዜጣ የመን ይታይምስ ሓቢራ።

እቶም ቀይሕ ባሕሪ ብምቁራጽ ሞሻ ናብ ዝተባህለት ንእሽቶ ወደብ እታ ሃገር ዝኣተዉ ኢትዮጵያ፣ ኣብቲ ቦታ ዓስኪሩ ብዝርከብ መበል 35 ብርጌድ ከቢድ ብረት ከምዝተታሕዙ’ዩ ዘመልክት እቲ ናይታ ጋዜጣ ጸብጻብ።

እቶም ብክልተ ጉጅለታት ተኸፋፊሎም ናብ የመን ዝኣተዉ ኢትዮጵያን ብኣባላት ሰራዊት የመን ድሕሪ ምትሓዞም ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ጣይዝ ይርከቡ።

 

መዓልታዊ ካብ ኢትዮጵያን ሶማልን ብዝተፈላለየ መኣዝን ናብ የመን ዝኣትዉ ኣማኢት ስደተኛታት ምህላዎም’ውን ንዋሕዚ ስደተኛታት ዝከታተል ሓላፊ ጸጥታ እታ ሃገር ኣኒስ ኣል ሻመሪ ኣረጋጊጹ።

ኣፈኛ ናይቲ ኣብ የመን ዝርከብ ወኪል ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ሞጂብ ሓሰን ዓብደላ ብወገኑ፣ ካብ ጥሪ ክሳብ ለካቲት 2015 ኣብ ዝነበረ ግዜ 8755 ስደተኛታት ናብ የመን ክኣቱ እንከለዉ እቶም 86 ሚእታዊት ማለት 7507 ዜጋታት ኢትዮጵያ ምዃኖም ኣረጋጊጹ።

ሽዱሽተ ካብዞም ናብ የመን ዝኣትዉ ስደተኛታት ኤርትራውያን ምዃኖም’ውን እቲ ወኪል UNHCR ኣመልኪቱ።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0